Understanding, Measuring, and Doing: Shattering the Information Blackout

መደያይቦ ቐጣን መንገዲ

By UMD Media

Published

Last updated

27 min read

44 views
መደያይቦ ቐጣን መንገዲ

Download PDF: መደያይቦ ቐጣን መንገዲ

ትሕዝቶ

መእተዊ

ህዝቢ ትግራይ ንዝሓለፉ 6 ዓመታት ዝሓልፎ ዘሎ ሕሰምን መከራን ንኹልና ግልፂ እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ብዝተኣወጀ ዂናት ፅንተት ዝሃለቐ ህዝቢ፣ ዝተደፈራ ደቀንስትዮ፣ ዝተፈናቕለ ህዝቢ፣ ኣብቲ ቓልሲ ዝተኸፈለ መስዋእቲ፣ ስዒቡ ዝመፀ ውሽጣዊ ቕልውላውን ዝቐፀለ ሕሰምን ኮታስ ኹሉ ስፍሓቱን ዕምቆቱን ምዝርዛር ንዓና ንተጋሩ ንቐባሪ ምርዳእ እዩ። ፀላእትና ነዚ ኹሉ በደልን ሽግርን ከብፅሑልና መውቅዒና በትሪ ኣዳልዩ ዝሃበ መሪሕነትና ምንባሩ ድማ ብዙሕ ዝተዘረበሉ ጉዳይ ዋላ እንተኾነ ምዝኽኻሩ ኣገዳሲ ‘ዩ።

ብዛዕባ ‘ዞም ጉዳያት ‘ዚኣቶም ኹሎም ብዙሕ ምዝራብ ምተኻኣለ፣ እንተኾነ ግን ናይዚ ፅሑፍ ‘ዚ ዕላማ ስለዘይኮኑ ንግዚኡ ክንሰግሮም ኢና። ናይዚ ፅሑፍ ‘ዚ ዕላማ፣ ሐዚ ዘለናሉ ዂነታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ ከመይ ኣብዚ ሐዚ ዝለናዮ ኹነታት ከምዝበፃሕና፣ ሰብ ዋናን መወልትን ናይዚ ዘለናሉ ዂናት መነመን ምዃኖምን ድልየታቶም እንታይ ከምዝኾነን ገምጊምካ ንትግራይ ከርብሕ ዝኽእል መፍትሒ ሓሳባት ምቕማጥ እዩ። ሐዚ ብቐጥታ ናብኡ ንሕለፍ።

ናብዚ ከመይ በፂሕና?

ሐዚ ዘለናሉ ኹነታት ኹልና ስለንርድኦ ምትንታኑ ኾነ ምግምጋሙ ዘድሊ ኣይመስለንን።ከመይ ኢልና ናብቲ ሐዚ ዘለናሉ ኹነታት በፂሕና ዝብል ግን ብሓፂሩ ምርኣይ ከድልየና ‘ዩ። ምኽንያቱ ነዚ ምርዳእ መፍትሒ ኣብ ምንዳይ ሓጋዛይ ስለዝኾነ።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኣወጀ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ወፍሪ ብዝገበሮ ህዝባዊ ቓልሲ ክገትኦ ‘ኳ እንተኸኣለ፣ ዘይምዕዳል ኾይኑ ግና ናተይ ብዝብሎም መራሕቱ ተጠሊሙ ሕሰሙ ክናዋሕ ተገይሩ እዩ። ድሕሪ ምግታእ ፅንተታዊ ዂናት፣ መሪሕነት ትግራይ ንህዝብን ተጋዳላይን ትግራይ ረሲዑ ንስልጣንን ውልቃዊ ሃፍትን ክጓየ ‘ዩ ተራእዩ። ንሕና ዘይንገዝኣ ትግራይ ገደላ ትእቶ ዝብል መርገፂ ዝሓዘ ጉጅለ ስልጣን ትግራይ ብሓይሊ ኣፈሙዝ ንምቁፅፃር ክጥዕሞ ምእንታን ነቲ ናይ ህዝቢ ሰራዊት ዝነበረ ሰራዊት ትግራይ ኮርን ልዕሊ ኮርን ብዝበሃል ኣወዳድባ ኣቢሉ ናይ ባዕሉ፣ ናይ ሓደ ጉጅለ መሳርሒ ብምግባር ነቲ ወራር ክከላኸል ዝተጣየሸ ፍቱው ሰራዊትና ኣብ ማህተም ምምንዛዕ ኣዋፊሩ ምስ ህዝቡ ክበኣስ ከምዝገበሮ ኹልና ብጓሂ እንዝክሮ ሓቂ እዩ።በዚ መንገዲ ስልጣን ትግራይ ክቆፃፀር ክብል ድማ መናእሰይ ትግራይ ኣብ በሪ ገዝኦም፣ ተወሊዶም ኣብ ዝዓበይሉ መንደር፣ ሂወቶምን ኣካሎምን ወፍዮም ኣብ ዝተዋደቑላ ዓዶም ትግራይ ብጥይት ብተመልከተለይ ረሸኖም። ንሳቶም ብዘባለሽውዎ ፖለቲካ ንዝተፈጠረ ዂናት ፅንተት ክከላኸሉ ከካብ ገዝኦምን ውልቃዊ ናብርኦምን ወፊሮም ትግራይ ንዘድሐኑ ተጋደልትን ምሁራትን ‘ውን ካብታ ዝተዋደቑላ ዓዶም ብ ኣፈሙዝ ሃዲኑ ብምብራር ዓቕሚ ትግራይ ፋሕ ብትን ክብል ገበሮ። እዚ ጌሩ ከይኣኽሎ ድማ ስልጣን 4 ኪሎ ‘ውን ስለዝሃረፈ ስጋ ከም ዝረኣየ ዝብኢ ብዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ዘሊሉ ናብ ጓጓ ኢሳያስ ኣተወ። 4 ኪሎ ንምኻድን ናይ ኢሳያስ ቐይሕ ባሕሪ ንምክልኻልን ድማ መናእሰይ ትግራይ መጋበርያ ክገብር ብኣልማሚት ኣብ መላእ ትግራይ ግፋ ብምክያድ ካብ ናይ ፀላእቲ ዘይነኣኣስ ገበን አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ፈፀመ። ውዒሉ ሓዲሩ ድማ ብትእዛዝ ጎይትኡ ኢሳያስ ነቲ ብዓፋር/ዓሰብ ክካየድ ይኽእል ዝነብረ ዂናት ኢ/ያን ኤርትራን ጎቲቱ ናብ ትግራይ ብምእታው ናብቲ ኣብዚ ሐዚ ዘለናዮ ኹነታት ክንበፅሕ ገበረ። ናብቲ ሐዚ ዘለናሉ ኹነታት ዝበፃሕና ሕፅር ብዝበለ ኸምዚ ብዝበለ ኣካይዳ ሓደ ጉጅለ እዩ።

ካብዚ ቐፂሉ ነቲ ሕዚ ዘሎ ዂናት ብዕምቆት ምርዳእ፣ ዝሓሸ መፍትሒ ንምርካብ ስለዝጠቅም፣ ሰብ ዋናን መወልትን ናይዚ ዂናት መነመን ምዃኖም፣ ከምኡውን ዕላምኦምን ድልየታቶምን እንታይ ምዃኑ ከምዝቕፅል ንርአ።

ሰብ ዋናን መወልትን ናይ’ዚ ዂናት መነመን እዮም? እንታይ ኸ እዩ ድልየታቶም?

ኹልና ከምእንፈልጦ ቐጥታዊ ተሳተፍቲ ናይዚ ዂናት ‘ዚ፣ ስርዓት ኢሳያስ፣ ህወሓት፣ ፋኖን OLAን ብሓደ ገፅ፣ ስርዓት ኣብዪን ሓይልታት ሰላም ትግራይን ድማ በቲ ካልእ ገፅ ኾይኖም ዘካይድዎ ዘለዉ ዂናት እዩ። ናይ ብሓቂ ሰብ ዋና ናይዚ ዂናት ግና ኢሳያስን ኣብዪን እዮም። እቲ መቃለሲ ዕላማ ኻዓ ጉዳይ ምቁፅፃር ቐይሕ ባሕሪ ‘ዩ። እቲ አጀንዳ ኢሳያስን አብዪን ‘ውን ተኾነ መሊኦም ዘይቆፃፀርዎ፣ እስራኤልን ዓረብ ኢማራትን ብሓደ ወገን ስዑድያን ግብፅን ድማ ብኻልእ ወገን ኾይነን ዝተፋነናሉ ኣጀንዳ ‘ውን እዩ። ነቲ ኹነታት ብዕምቆት ተረዲእና መፍትሒ ክነናዲ ምእንቲ፣ ሰብ ዋናን መወልትን ናይቲ ዂናት ዕላምኦም እንታይ ምዃኑ ብሰፊሑ ምትንታን ከድልየና እዩ። ህወሓት፣ ፋኖ፣ ኦነግን ሓይልታት ሰላም ትግራይን ተሳተፍቲ ናይቲ ዂናት ‘ምበር ኣብቲ ዂናት እዚ ዝበሃል ስትራተጂካዊ ወሳንነት ስለዘይብሎም ሰብ ዋና ናይቲ ዂናት ኣይኮኑን። ሰለዘይኮኑ ድማ ብዛዕባ ድሌታቶምን ዕላምኦምን ምትንታን ኣየድለይናን፣ ወሳንነትን ትርጉምን ስለዝይብሉ። ሐዚ ናብቶም ሰብ ዋና ናይቲ ዂናት ክነብል።

1. ኢሳያስ

ካብቶም ሰብ ዋና ናይዚ ዂናት እዚ እቲ ሓደ ኢሳያስ አፈወርቂ ከምዝኾነ ኣብ ላዕሊ ርኢና ኢና። ሐዚ እቲ መሰረታዊ ነገር ኢሳያስ ኣብቲ ኽባቢና እንታይ ከምዝደሊ ምፍላጥ እዩ። እቲ ዝደልዮ ነገር ከ ምስ ትግራይ ዘለዎ ርክብ ከ ከመይ እዩ? ዝብል ካዓ እቲ መሰረታዊ ነገር እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ልዕሊ ኢሳያስ ትግራይን ትግራዋይነትን ከጥፍእ ዝሰረሐን እዚ ድልየቱ ድማ ብግልፂ ደጋጊሙ ዝተዛረበን ሰብ ወይ መራሒ የለን። ካልእስ ይትረፍ ሃገር ከም ሃገር ‘ኳስ ፅልኢ ተጋሩ መሰረት ጌሩ ዝመስረተ ሰብ እዩ ኢሳያስ ማለት። እዚ ኾይኑ ዋላ ግን ተጋሩ ብዝግባእ ዘይተረዳእናዮ ሰብ እዩ ኢሳያስ። እቲ ዋና ቁምነገር ኢሳያስ ንምንታይ ፀላኢና ኾይኑ?፣ ንምንታይ ከጥፈአና ይደሊ?ዝብሉ ሕቶታት ምምላስ ምኽኣል እዩ። ሓደ ሰብ ፀላኢኻ ምዃኑ ምፍላጥ ጥራይ እኹል ኣይኮነን። ንዓኻ ንምንታይ ከምዝፀልአካ ምፍላጥ እዩ እቲ ቐንዲ ቑምነገር። ምኽንያቱ ድማ ኣንፃር ዝኾነ ፀላኢ ክትቃለስ ከለኻ ዘዕውተካ ስትራተጅን ቕደም ስዓብ ዕዮታትካን ክትፈልጥ እትኽእል እቲ ፀላኢኻ ንምንታይ ከምዝፀልአካ እንተፈሊጥካ ጥራይ እዩ።

ኢሳያስ ትግራይን ትግራዋይነትን ክጠፍእሉ ዝደሊ ከምቱ ብዙሓት ተጋሩ ዝግምትዎ ውልቃዊ ቂም ወይ ‘ውን ባእሲ ሃልይዎ ኣይኮነን። ምስ መራሕቲ ትግራይ ናይ ብሓቂ ባእስን ቂምን እንተልይዎ ‘ውን ትግራይን ትግራዋይነትን ንምጥፋእ ኣብ ዝሕንፅፆ ፖሊሲታትን መስርሓትን ዘይረዓምኩም ዝብል እዩ ክኸውን ዝኽእል።

እቲ ሓቀኛ ምኽንያት፣ ናቱ ፖለቲካዊ ፍልስፍናን ዕላማን ምጥፋእ ትግራይን ትግራዋይነትን ስለዝጠልብ እዩ። እዚ እንታይ ማለት እዩ? ኢሳያስ ካብ በረኻ ጀሚሩ ጎኒ ንጎኒ ናይ ነፃነት ቓልሲ፣ ናይ ህንፀት ሃገር (Nation building) ሰራሕ እናሰረሐ እዩ መፅዩ። ድሕሪ ናፅነት ኤርትራ ድማ ህንፀት ሃገር ካብ ካልአዋይ ወይ ተመዓዳዳዊ ዕላማ ናብ ናይ ቐዳማይ ደረጃ ዕላማ እዩ ተቐይሩ። ህንፀት ሃገር ናይ ኤርትራ ሃገራዊ ዕላማ ምዃኑን ኹለን ጎረባብቲ ሃገራት ‘ውን ከም ቀዳማይ ሃገራዊ ዕላማ ሒዘን ክሰርሓሉ ከምዘለወንን ኢሳያስ ባዕሉ ብተደጋጋሚ ኣብ ቴሌቪዥን ተጠሊዑ ዝዛረበሉ ጉዳይ እዩ።

ቐፂሎም ዝመፁ ሕቶታት ድማ ህንፀት ሃገር እንታይ ማለት እዩ? ፕሮጀክት ህንፀት ሃገር ኤርትራ ኸ ከመይ ኢሉ ፀረ ትግራይን ትግራዋይነትን ኾይኑ? ዝብሉ እዮም ዝኾኑ። ብዙሕ ሰብ ህንፀት ሃገር (Nation building) ምስ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ( State building) ከጋግዮ ይርአ እዩ። ህንፀት ሃገረ መንግስቲ (State building) ማለት ናይ ሓንቲ ሃገር ኢኮኖምያዊ፣ ፖለቲካውን ማሕበራውን ዓቕምታት ምዕባይን ምድልዳልን ክኸውን ከሎ ዝተፈላለዩ ትካላት ብምህናፅ ካዓ ይከናወን። ህንፀት ሃገር (Nation building) ማለት ግና ኣብ ሓንቲ ሃገር ዘለዉ ኣህዛብ ሓደ ዓይነት መንነት ክሕዙ ምግባር ማለት እዩ። እዚ ማለት ሓንቲ ሃገር ብዙሓት ዝተፈላለየ መንነት ዘለዎም ህዝብታት እንተድኣሃልዮማ፣ ብዝተፈላልየ መስርሓት ንኹሎም ጨፍሊቕካ ጨፋሊቕካ መመንነቶም ገዲፎም ኣብ ሓደ መንነት ክርዕሙ ምግባር ማለት እዩ። ከም ኣብነት ንምውሳድ እዚ ህንፀት ሃገር መስርሕ እዚ ኣብ ኢ/ያ ብ ምንሊክ፣ ሃይለስላሴን ደርግን ዝተፈተነ፣ ኹለን ብሄራት ቐስ ብቐስ ኣጥፊእኻ ኣምሓሩ ናይ ምግባር መስርሕ ከም ማለት እዩ።

ኢሳያስ ካዓ ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ብሄራት ኹለን ተጨፍሊቐን፣ ተፈጥሮኣዊ መንነተን ገዲፈን ከም ብሓዱሽ ተሰሪሐን ኣብ ሓደ መንነት ክርዕማ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ኢሳያስ ኣብ ሰንዓፈ ዘሎ ኤርትራዊ ኣብ ዛላንበሳ ካብ ንዘሎ ትግራዋይ ብላዕሊ ነቲ ኣብ ዶብ ሱዳን ዘሎ ቤንዓምር ከም ሓዉ ክርኢ፣ እቲ ቤንዓምር ‘ውን ልዕሊ ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ቤንዓምር ነቲ ኣብ ሰንዓፈ ዘሎ ትግርኛ ተዛራቢ ከም ሓዉ ክርኢ እዩ ዝደሊ ዘሎ። እዚ ክሰርሕ እንተኾይኑ ድማ ነቶም ከም ኣብነት ዘልዓልናዮም ትግርኛ ተዛረብቲ ኤርትራውያንን ቤንዓምር ኤርትራውያንን ክቀራረቡ ጥራይ ዘይኮነ ሓቢሮም ሕማቕን ፅቡቕን ክሓልፉ ‘ውን ኣለዎም። ነዚ እዩ ድማ ሳዋ ዝተፈጠረት፣ ካብ ኹለን ብሄራት ሓበራዊ ተሞኩሮን ምትሕንፋፅን ፈጢርካ ነቲ መስርሕ ህንፀት ሃገር ንምቅልጣፍ። ኢሳያስ እናዘረ ዂናት ዝኸፍትን ዂናት ኣሎ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ኹሉ ድማ ዘው ኢሉ ዝኣቱን ብዘይምኽንያት ኣይኮነን። ከምቲ ሰብ ዝግምቶ ዂናት ዝፈቱ ሰብ ስለዝኾነ ‘ውን ኣይኮነነ። እቲ ምኽንያት ነቶም ሓበራዊ ታሪኽ ዘይብሎም ብሄራት ኤርትራ ሓበራዊ ተሞክሮ ኢሉ ድማ ሓበራዊ ታሪኽ ፈጢርካ ሓበራዊ መንነት ንምፍጣር እዩ። ልዕሊ ዂናት ካዓ ሓበራዊ ተሞክሮን ሓበራዊ ታሪኽን ዝፈጥር ነገር የለን። በዚ ምኽንያት ዂናት ምክያድ ሓደ ካብ ዘይወግዓዊ መንግስታዊ ፖሊሲታት ኢሳያስ እዩ፣ ከም ኣካል ፕሮጀክት ህንፀት ሃገር። ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ብሄራት ሓደ መንነት ንምፍጣር ግና ሓበራዊ ተመክሮን ታሪኽን ጥራይ እኹል ኣይኮነን። እቶም ብሄራት ምስቶም ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዘለዉ ደቂ ብሄሮም ክበኣሱን ደም ክቃብኡን ኣለዎም። ኣብኡ ከየብቀዐ ካዓ እቶም ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዘለዉ ‘ሞ ኣብ ኤርትራ ኣሕዋት ዘለዎም ብሄራት ተጨፍሊቖም ኣብ ሓደ መንነት ናይታ ጎረቤት ሃገር ክሓቁ ኣለዎም። ናይ ኢሳያስ ድሌት፣ ኣብ ኢ/ያ ዘለዉ ብሄራት ኹሎም ሓቒቖም ኣምሓሩ ክኾኑ፣ ኣብ ሱዳን ዘለዉን ኣብ ጅቡቲ ዘለዉን ‘ውን ከምኡ ስግረ ዶብ ቀቢላዊ ርክባቶም ገዲፎም ኣብ ሓደ ዓብላላይ መንነት ናይተን ሃገራት ክሓቁ እዩ። ኢሳያስ፣ ኣብ ዛላንበሳ፣ ራማ፣ ሸራሮ ወዘተ ኣምሓርኛ ዝዛረብ ሰብ ‘ምበር ትግርኛዝዛረብ ስበ ክህሉ የብሉን እዩ ዝብል ዘሎ። እዚ ክሳኽዕ ከሎ፣ እቲ ኣብ ሰንዓፈ ዘሎ ትግርኛ ተዛራባይ ኣብ ዛላንበሳ ካብ ዘሎ ኣምሓርኛ ዝዛረብ ሰብ ኣብ ዶብ ሱዳን ዘሎ ትግርኛ ምዝራብ ዝለመደ ቢኒዓምር ከም ሓዉ ንምርኣይ ኣይፅገምን። ብኻልእ አበሃህላ Cross border loyalty ንህንፀት ሃገር ናይ ህልውና ሓደጋ (existential threat) እዩ ዝብል መርገፂ እዩ ዘለዎ ኢሳያስ። እዚ ፍልስፍና እዚ እንተተርዲእና ኢሳያስ ትግራይን ትግራዋይነትን ክጠፍእ ንምንታይ ከምዝደሊ ምርድኡ ቐሊል እዩ። እቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ትግርኛ ተዛረብቲ ነቶም ካልኦት ብሄራት ኤርትራ ከም ኣሕዋቶምን ከም ደቂ ሓንቲ መንነትን ክሪእዎም እንተኾይኖም ኣብ ጥቕኦም ናቶም ቛንቋ ዝዛረብ፣ ስዕስዒቶም ዝስዕስዕ፣ ታሪኾም ዝካፈል ሕብረተስብ ክህሉ የብሉን ዝብል ኣምር እዩ።

ኢሳያስ ትግራይን ትግራዋይነትን ንምንታይ ክጠፍእ ከምዝደሊ ርኢና ኣለና። ቐፂሉ ዝመፅእ ሕቶ፣ ምስ ኢሳያስ ዕርቂ ይኹን ዋላ ምሕዝነት ብምፍጣር ነቲ ትግራዋይነት ናይ ምጥፋእ ዕላምኡ ክገድፎ ምግባር ይከኣል ድዩ? ዝብል እዩ። ናይ ኢሳያስ ባህርያት ‘ሞ ንግዚኡ ይፅነሓልና፣ ዝኾነ ፖለቲከኛ ዕድመ ልክዑ ዝሰረሐሉ ፖለቲካዊ ዕላማ ብዝኾነ ዝፍጠር ምሕዝነት ወይ ‘ውን ብውዕለታ ናይ ዝኾነ ሓይሊ ክቕየር ዝከኣል አይኮነን። ህንፀር ሃገር፣ ኢሳያስ ንልዕሊ 50 ዓመታት (እንኮላይ ሳሕል እንከሎ ጀሚሩ) ዝሰረሐሉ፣ ኣብዙ እዋን እዚ ድማ ቐንዲ ሃገራዊ ፕሮጀክት ኤርትራ ኽይኑ ዝስረሓሉ ዘሎ ፕሮጀክት እዩ። ነዚ ፕሮጀክት ክበሃል ህዝቢ ኤርትራ ዳርጋ ፀኒቱ እዩ። ይኹን ‘ምበር ንህዝቢ ኤርትራ ሓልዩ ኢሳያስ ነቲ ፕሮጀክት ክገድፎ ኣይተርኣየን። ህዝቢ ኤርትራ በዚ ፕሮጀክት ምኽንያት እንትፀንት ዕላምኡ ዘይቀየረ ኢሳያስ ሐዚ ምስ ውሱናት ተጋሩ ምሕዝነት ስለዝፈጠረ ዕላማ ህንፀት ሃገርን እቲ ዕላማ ንሱ ዝወለዶ ትግራዋይነት ናይ ምጥፋእ ውጥኑን ክገድፎ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ዕብዳን ጥራይ እዩ። ተጋሩ ተረባሪብና ካብቲ ዝመፆ ዘሎ ውሕጅ ኣብዪ ኣሕመድ ተነድሕኖ ‘ሞ ገባሪ ሓዳጊ 4 ኪሎ እንተንገብሮ ‘ውን ኢሳያስ ትግራዋይነት ናይ ምጥፋእ ዕላምኡ ኣይገድፍን። እዚ ነገር ኣብ ሕሉፍ ‘ውን ተራእዩ እዩ። ኣብ ጎዳጉዲ ሳሕል ተቐቢሩ ካብ ምጥፋእ ዘድሐንዎ ተጋሩ እዮም ነይሮም። ነፃነት ኤርትራ ብ ፖለቲካ ደረጃ ኽውን ንክኸውን ዝገበሩ ‘ውን ተጋሩ እዮም ነይሮም። እንተኾነ እዞም ኹሎም ውዕለታት ተጋሩ ካብቲ ትግራዋይነት ናይ ምጥፋእ ፕሮጀክቱ ክምልስዎ ኣይከኣሉን። ኣብ 1977 ዓ/ም ዝጠመየ ህዝቢ ትግራይ ንሱዳን ከይሓልፍ ኸልኪሉ ብጥሜት ክውዳእ ክፈርደሉ ከሎ ኣብ ሳሕል ንዕኡ ከድሕኑ ናይ ዝተሰውኡ ተጋሩ ኣዕፅምቲ ገና ሓመድ ኣይበለዖን ኔሩ። ኢሳያስ ብምሕዝነትን ውዕለታን ዕላምኡ ዝቕይር ተዝነብር ሽዑ ምገበሮ ኔሩ። ኢሳያስ ትግራይን ትግራዋይነትን ንምጥፋእ ክንደየናይ ፅኑዕ መርገፂ ከምዘለዎን ቕድሚ ኹሉ ከምዝሰርዖን እትሕግዝ ካልአይቲ ኣብነት ክህብ። ኣብ 2022 ዓ/ም/ፈ ኣብ ማእኽል ‘ቲ ፅንተታዊ ዂናት፣ ቕድሚ እታ ናይ መወዳእታ ዙርያ ውግእ ምጅማራ ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣብይን ትግራይን ኣብ ጅቡትን ስሸልስን ልዝብ የካይድሉ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ኣብዪ ንተላዘብቲ ትግራይ “ንሕና ተዓሪቕና ንሻዕብያ ንውቃዓዮ” ዝብል ፕሮፖዛል ኣቕሪብሎም ምንባሩ ሐዚ ብባዕሉ ብመንግስቲ ኢሳያስ ተደጋጊሙ ዝግለፅ ሓቂ እዩ። ኣብቲ ስዓት ‘ቲ ኣብዪ ንትግራይ እዚ ፕሮፖዛል ኣብ ዘቕርበሉ እዋን ኢሳያስ ብዛዕባ እዚ ፕሮፖዛል ሓበሬታ ኣይረኸበን ነይሩ ኢልካ ምግማት ኣይከኣልን። እንትኾነ ግና ኢሳያስ፣ ምጥፋእ ትግራይ ልዕሊ ኹሉ ጌሩ ስለዝሰረዖ፣ ነቲ ንሻዕብያ ኣዋቕዑኒ ዝበለ ኣብዪ ደጊፉ ኣብታ ናይ መወዳእታ ዙርያ ውግእ ‘ውን ተዋጊኡና፣ ከጥፈአና ሰሪሑ። ምስ ኣብዪ ናይ መወዳእታ ዘባተኾም ‘ውን ፕሪቶርያ ፈሪምካ ንተጋሩ ኣድሒንካዮም ዝብል ‘ምበር እቲ ሓቢርና ንሻዕብያ ንውቃዓዮ ዝብል ፕሮፖዛል ኣብዪ ኣይነበረን። ካብዞም ኣብነታት እዚኣቶም እንርድኦ ነገር እንተሃለወ፣ ኢሳያስ ጥልቀት ትግራይ ናይ ምጥፋእ ድልየቱ ኽንደየናይ ምዃኑ እዩ።

ስለዚ፣ ዝኾነ ይኹን ነገር ይፈጠር ኣይፈጠር፣ ንመሓዘዎ ኣይንመሓዘዎ፣ ውዕለታት ንውዓለሉ ኣይንውዓለሉ፣ ኣብ ዓለም ዘሎ ኹሉ ነገር ዋላ ንግበረሉ ብዘየገድስ ኢሳይስ ትግራዋይነት ንምጥፋእ ዘለዎ ዕላማ ኣይገድፍን።

2. ኣብዪ

ኣብዪ እቲ ኻልእ ብዓል ዋና ናይዚ ዂናት እዩ። እስኪ ናይ ኣብዪ ድልየትን ዕላማን ድማ ንርአ። ኣብዪ፣ ስልጣን ተቖፃፂርካ ሽምን ዝናን ካብ ምርካብ ወፃኢ እዚ ዝበሃል ዕላማ ይኹን ራኢ ዘይብሉ መራሒ እዩ። ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፈፀሞ በደላት ‘ውን ምድኻምን ምጥፋእን ህዝቢ ትግራይ ስልጣነይ ንምድልዳል ይጠቕመኒ እዩ ኢሉ ስለዝኣመነ ዝገበሮ እዩ። ኢ/ያ ብፖለቲካዊ ቕርፅን ትሕዝቶን እዚ ክትመስል ኣለዋ ወይ ‘ውን ካብ ከምዚ ዝመሰለ ፖለቲካዊ ቕርፂ ናብ ከምዚ ዝመስለ ፖለቲካዊ ቕርፂ ክወስዳ እየ ዝብል ራኢ የብሉን። ኣብዪ፣ ኢ/ያ ኣምሓረይቲ ትምሰል ዋላ ኦሮሞ ዝግድሶ ኣይኮነን፣ ንሱ ክሳብ ዘመሓደራ። ከምኡ ስለዝኾነ ‘ውን እዩ እቱ ናይ ኣብዪ መንግስቲ ኣብ መጀመርታታት ናይ ኣምሓራ መንግስቲ ነይሩ፣ ሐዚ ድማ ተቐይሩ ናይ ኦሮሞ መንግስቲ ኾይኑ ዘሎ። ኣብዪ ዘይከም ኢሳያስ ቐዋሚ ፈታዊ ይኹን ቐዋሚ ፀላኢ የብሉን። ቐዋሚ ረብሓ ጥራይ ኣላቶ፣ ንሳ ካዓ ስልጣንን ስልጣንን እያ። ኣብዪ ምስ ዝኾነ ሓይሊ ዝፋቶ ስልጣኑ ከፅንዐሉ እንተኾይኑ እዪ፣ ምስ ዝኾነ ሓይሊ ዝበኣስ ‘ውን ንስልጣኑ ሓደጋ እንተኾይኑ እዩ። ብዝኾነ ፖለቲካዊ ዕላማ ወይ ‘ውን ሃገራዊ ረብሓ ኣብዪ ምስዝኾነ ሓይሊ አይበኣስ ኣይፋቶ። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ግና ኣብዪ ስልጣኑ ሓደጋ ንዝኾኖ ሓይሊ ንምጥፋእ ክብል ሓደ ብሄር ጥራይ ዘይኮነ መላእ ኢ/ያ ‘ውን ከጥፍእ ዝኽእል ሰብ ምዃኑ እዩ።

ኣብዪ ምስ ትግራይ ዘባእሶ ኣብ ላዕሊ ከምዝተጠቐሰ ጉዳይ ስልጣንን ስልጣንን ጥራይ እዩ። ስልጣን ምስሓዘ እቲ ዝተወደበ ስልጣኑ ከሕድጎ ዝኽእል ሓይሊ ህወሓት ጥራይ ሰለዝነበረ ህወሓት ንምጥፋእ ቖሪፁ ተላዒሉ። ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ሓደ ደጋፋይ ህወሓት ተጌሩ ስለዝተርኣየ፣ ካልኣይ ‘ውን ዋላ ህወሓት እንተጠፈአ ናይ ውዳበን ቓልስን ባህሊ ዘለዎ፣ ንስልጣን ሓደጋ ዝኾነ ህዝቢ ጌሩ ስለዝረኣዮ፣ ከም ህዝቢ ከጥፍኦ እዩ መሪፁ። እቲ ምኽንያት ግን ፖለቲካዊ ዕላማ ኣይኾነ ዋላ ፖለቲካዊ ፍልስፍና ኣይኾነ፣ ስልጣንን ስልጣንን ጥራይ እዩ። ኣብዪ ስልጣኑ ንምውሓስ ትግራይ ክትጠፍእ እንተሃልይዋ፣ ከጥፋኣ እዩ፣ ንስልጣኑ ትግራይ ክትለምዕ እንተልይዋ ካዓ ከልምዓ እዩ። ከምዚ ስለዝኾነ ‘ውን እዩ እቲ ዂናት ፅንተት ከይዱ ከይዱ ስልጣኑ ኣብ ክንዲ ዘፅንዐሉ ንስልጣኑ ሓደጋ ምዃን ምስጀመረ ውዕሊ ፕሪቶርያ ፈሪሙ እቲ ዂናት ንግዚኡ ዝተገትአ። ኣብ ናይ ኣብዪ ቦታ ኢሳያስ እንተዝነብር ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣይምተፈረመን። ምኽንያቱ ልዕል ኢልና ከምዝረአናዮ ኢሳያስ ንትግራይ ከጥፋኣ ዝደሊ ንስልጣኑ ክብል ዘይኮነ ፖለቲካዊ ዕላምኡ ስለዝኾነ እዩ። እዚ ዘረደአና ነገር እንተሎ፣ ንኢሳያስ ዝገበርካ እንተገብርካ ትግራይ ካብ ናይ ምጥፋእ ፕሮጀክቱ ክትምልሶ ኣይትኽእልን፣ ንኣብዪ ግና እቲ ዕድል ዋላ ፀቢብን ዘይተመራፅን ይኹን፣ ንስልጣኑ ሓደጋ ከምዘይትኾነ እንትኾይንካ፣ ንዓኻ ናይ ምጥፋእ ዕላምኡ ክገድፍ ዝኽእል ሰብ ምዃኑ እዩ።

እቶም ኽልተ ሰብ ዋና ናይቲ ዂናትን ዕላምኦምን ርኢና ኣለና። ሐዚ ድማ ናይቲ ዂናት ብኽልቲኡ ወገን ኾይኖም ዝምውሉ ሓይልታት እንመን ምዃኖምን እንታይ ከምዝደልዩን ድማ ንርአ።

መወልቲ ናይቲ ዂናት

መወልቲ ኣብዪ
1. እስራኤል

እስራኤል አብ ዞባ ቐይሕ ባሕሪ ናይ ፀጥታ ሽግር ኣለዋ። ብፍላይ ምስ ምምፃእ ደገፍቲ ኢራን ዝኾኑ ተዋጋእቲ ሓይልታት ሑቲ። እስራኤል ነቲ ኸባቢ ካብ ፅልዋ ኢራን ጠቕሊላ ነፃ ክተውፅኦ ድልየት ኣለዋ። ናይ እስራኤል ጭንቂ ብዛዕባ ሑቲ ጥራይ ኣይኮነን። ኤርትራን ሱዳንን ካብ ምስ እስራኤል ምስ ኢራን ዝጠበቐ ርክብ ስለዘለወን እስራኤል በዘን ሃገራት እዚኣተን ሕጉስቲ ኣይኮነትን። ስለዝኾነ ድማ እስራኤል እቲ ዞባ ብምሉኡ ኣብ ትሕቲ ናታ ፈተውትን ተለኣኣኽትን ወዲቑ ፀጥታኣ ብዘተኣማምን ደረጃ ክተውሕስ ምእንቲ ንመንግስቲ ሱዳን ን RSF ተጠቒማ፣ ንመንግስቲ ኢሳያስ ድማ መንግስቲ ኣብዪ ተጠቒማ ክትኣልዮም ትደልን ትሰርሕን ኣላ። ርክብ እስራኤል ምስ ሱዳንን ኤርትራን ኣዝዩ ግልፂ ስለዘይኮነ ምናልባት ኣዕሙቕ ኣቢልና እንተረኣናዮ ዝሓሸ እዩ።

ኣብ ጉዳይ ሱዳን እስራኤል ዘለዋ መርገፂ ንብዙሓት ሰባት ዘደናግር እዩ። እስራኤል ወግዓዊ ኣብ ዝኾኑ ነገራት ምስ መንግስቲ ሱዳን ‘ምበር ምስ RSF ርክብ የብላን። እዚ ብሕጊ ሕቡራት ሃገራት ምስ ሃገራት ‘ምበር ምስ ዓማፅያን ርክብ ምግባር ስለዘይፍቀድ ንዲፕሎማስያዊ መናውራ ኢላ ክትገብሮ ኹሉ ሰብ ዝፅበዮ እዩ።እንተኾነ ምስ መንግስቲ ሱዳን ብ ኣብራሃም ኣኮርድ ኣቢላ ደሓን ዝበሃል ርክብ ‘ውን ኣለዋ። እንተኾነ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣልቡርሃን ሓቚፍዎም ብዘሎ እስላማዊ ኣኽረርቲ ሓይልታትን ምስ ኢራን ብዘለዎ ቕርበትን ብዙሕ ሕጉስቲ ኣይኾነትን።

ቓልዕ ዋላ ኣይውፃእ ‘ምበር እስራኤል፣ RSF ንኣልቡርሃን ዓልዩ ስልጣን ክሕዝ እያ ትደሊ። እዚ ምናልባት RSF ናይ ዓሌትነት ‘ምበር ናይ እስላማዊ ኣኽራርነት ሽግር ስለዘይብሉን ምስ ኢራን ኣብ ተፃራሪ ሰልፊ ምስዘላ ኢማራት ጥቡቕ ርክብ ስለዘለዎን ክኸውን ይኽእል። በዚ መሰረት ድማ ሞሳድ ብቕርበት እዩ ምስ RSF ዝሰርሕ። ንኣብነት፡ ናይ ሱዳን ዂናት ቕድሚ ምጅማሩ፣ እስራኤል ን RSF ብዙሓት ወትሃደራዊ ቴክኖሎጂታት ከም ዝሃበቶ ዝፍለጥ እዩ። እስካብ ሐዚ ሞሳድ ባዕሉ ብሕቡእን ብዓረብ ኢማራት አቢሉን ንRSF ደገፍ ይገብር እዩ።

ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ‘ውን ከም እንፈልጦ መንግስቲ ኢሳያስ ካብ ምስ እስራኤል ምስ ኢራን እዩ ዝሓሸ ርክብ ዘለዎ። ኣፅዋራት ‘ውን ካብ ኢራን ከምዝረክብ ዝፍለጥ እዩ። ኢሳያስ ኣብ ዝተፈላለዩ UN resolution ፕሮፖዛላት ኣንፃር እስራኤል እዩ ዝመርፅ። እዚ ብዝበለፀ ትሕት ኢሉ ኣብ ዘሎ ሰንጠረዥ ምስ ኢ/ያ ኣነፃፂርና ክንሪኦ ኢና።

ብኣንፃሩ እስራኤል ምስ ኢ/ያ ዘለዋ ርክብ ምሰንርኢ፣ ጥቡቕ ምሕዝነት ዘለዎ ርክብ ምዃኑ ምርዳእ ይከኣል። ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም ኣብ ጉዳይ ፓላስታይን ኣንፃር እስራኤል ክስለፋ ኸለዋ ኢ/ያ ግና መንጎኛ ኾይና እያ ትረአ። እዚ መንጎኛነት ኣብ ጎኒ እስራኤል ከም ምስላፍ እዩ ዝሕሰብ። ምኽንያቱ ኢ/ያ መቐመጢ ሕብረት ኣፍሪካ እንከላ ‘ሞ ዝበዝሓ አባላት እቲ ሕብረትን እቲ ሕብረት ኣፍሪካ ባዕሉ ከም ትካልን ኣንፃር እስራኤል ኣብ ዝስለፍሉ ኹነታት ኢ/ያ ሞንጎኛ ምዃና እስራኤል ከም ዓብዪ ደገፍ እያ ትሪኦ። እስራኤል ኢ/ያ ኽፋላት ቐይሕ ባሕሪ ተቖፃፂራ ረብሓይ ክተኽብረለይ ትኽእል እያ ዝብል እምነት ድማ ኣለዋ።

DateUN ResolutionEritrean VoteEthiopian vote
June 12, 2025Protection of civilians in GazaAgainst IsraelAbstained (not against Israel)
Sept 2025NY Declaration on PalestineAbsentAbstained (not against Israel)
Dec 2, 2025Peaceful settlement of the Palestine questionAgainst IsraelAbstained (not against Israel)
Mar 31, 2026Israeli settlements in occupied territoriesNot a council memberVoted against (pro Israel)
2. ዓረብ ኢማራት

ዓራብ ኢማራት ኹልና ከምእንፈልጦ ዋና ናይ ኣብዪ ደጋፊትን መዋሊትን እያ። ቢልዮናት ዶላራት እናውፀአት ኣብይን RSFን እትድግፍ ሃገር እያ። ኢማራት እታ ዋና ናይቲ ኽባቢ መሻርኽቲ እስራኤል ‘ውን እያ። ኣብራሃም ኣኮርድ ብዝብሃል መስርሕ ሽርክነት ኽልቲአን ሃገራት ኣዝዩ ዝፀነዐ እዩ። ስለዝኾነ ድማ፣ ኢማራት እቲ ኸባቢ ናይ ምቁፅፃር ዘለዋ ድሌት ናይ ባዕላ ጥራይ ዘይኮነ፣ ናይ መሻርኽታ እስራኤል ልእኽቶ ንምፍፃም ‘ውን እዩ። ኢማራት ምስ እስራኢል ብዘለዋ ጥቡቕ ርክብ ምኽንያት እዩ ኣብቲ ናይ ኢራን ዂናት ቐዳመይቲ ዕላማ መጥቃዕትታት ኢራን ክትክወን ዝኸኣለት።

ሰለዚ፣ ክልቲአን ሃገራት (ኢማራትን እስራኤልን) ንኢ/ያ፣ ሶማሊላንድን RSFን ሒዘን ነቲ ኸባቢ ብምቁፅፃር ፈተውቲ ኢራን ዝበሃሉ መራሕትን ጉጅለታትን (ከም አልቡርሃንን ኢሳያንስ ዝመሰሉ) ናይ ምውጋድ ድሌት ኣለወን። ነቲ ሐዚ ዝጎሃሃር ዘሎ ዂናት ቐይሕ ባሕሪ ካዓ ብድሕሪት ደፋፋእቱን መወልቱን ንሳተን እየን።

መወልቲ ኢሳያስ
1. ኢራን

ኢራን ከም እንፈልጦ ንዓመታት ኣብ ዝተናወሐ ዂናት ኣንፃር ኣሜሪካን እስራኤልን ዝፀነሕት ሃገር እያ። ኢራን ብጥረ ወትሃደራዊ ሓይሊ (Raw military power) ምስ ኣሜሪካን እስራኤልን ክትወዳደር ስለዘይትኽእል ስትራተጂክ ኣብ ዝኾኑ ኸባቢታት ተለኣኣኽቲ ፈጢራን መዊላን እያ ኣንፅር ኣሜሪካን እስራኤልን ክትከላኸል ፀኒሓ። ከም ኣብነት እንተወሲድና ከም ብዓል ኣብ ዶብ እስራኤል ዘለዉ ሓይልታት ህዝቡላህን ሓማስን፣ ኣብ ጥቓ ቐይሕ ባሕሪ ዘለዉ ሑቲ ምጥቃስ ይከኣል። እዚኦም እቶም ናይ ቐጥታ ተለኣኣኽቲ ኢራን (proxies)እዮም ‘ምበር ናይ ኢራን ፅልዋ ዘለዎም ካልኦት ሓይልታትን መንግስቲታትን ድማ ከም በዓል ኢሳያስን አልቡርሃንን ዝበሉ ኣለዉ። ኢራን ዕላማኣ ፅልዋታትካ ኣግፊሕካ ኣንፃር ኣሜሪካን እስራኤልን ምምካት እዩ።

2. ስዑዲ ዓረብ

ስዑዲ ዓረብ ምስ ዓራብ ኢምራት ብዘለዋ ንሕንሕ ምኽንያት ምስ ኤርትራን ኣልቡርሃንን ዝሓሸ ርክብ ዋላ እንተሃለዋ፣ ብኻልእ ወገን ድማ ኣንፃር ኢራን ብዘለዋ ኣሰላልፋን ምስ እስራኤል ‘ውን ብዘለዋ ቕርበትን (ዋላ ከም ኢማራት ኣይኹን) ጠሪሻ ምስ ኢሳያንስን ኣልቡርሃንን ኾይና ኣንፃር ኢ/ያ ክትገብሮ እትኽእል ምንቅስቓስ ድሩት እዩ። ኣብ ዂናት ተሳታፊት ወይ ‘ውን ዋና መዋሊት ክትኸውን ዘኽእላ ጠንካራ ምኽንያት የብላን። ስለዝኾነ ዋላ ናብ ጉጅለ ኢሳያስን ኣልቡርሃንን እንተዘንበለት፣ ኣብ ቓልዕ ዂናት ንዓኣቶም ብዙሕ ደገፍ ዘይክተገብር ትኽእል እያ።

3. ግብፂ

ጉዳይ ኣሰላልፋ ግብፅን ምኽንያታቱን ንኹሉ ግልፂ ስለዝኾነ ምትንታን ‘ውን አየድልዮን።

ኣሰላልፋ አሜሪካ

ኣሜሪካ ከም ልዕለ ሓያላን ሃገር መጠን ዘለዋ ፅልዋ ካብ መዋልነት ዝኾነ ሓይሊ ዝሓልፍ ስለዝኾነ፣ ኣሰላልፍኣን ኣብቲ ኽባቢ ዘለዋ ረብሓን ንበይኑ ምርኣይ አገዳሲ እዩ።

ኣሰላልፋ ኣሜሪካ ኣብቲ ኽባቢ ንምርዳእ መጀመርታ ናይ ኣሜሪካ ረብሓታት ኣብቲ ኸባቢ እንታይን እንታይን እዮም ኢልካ ምርዳእ የድሊ። ኣብ እዋን ባይደን ይኹን ቕድሚኡ፣ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ አፍሪካ ዝነበርዋ ረብሓታት ብቕዳምነት ቓልሲ ኣንፃር ግብረ ሽበራ ክኸውን ከሎ ምስኡ ተታሓሒዙ ድማ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ‘ውን ቦታ ይወሃቦ ኔሩ። ትራምፕ ድሕሪ ምምፅኡ ቕደም ስዓብ ረብሓታት ኣሜሪካ ተቐይሩ እዩ። ኢኮኖምያዊ ረብሓን ንሕንሕ ምስ ቻይናን ናብ ቕድሚት ክመፅእ ከሎ፣ ምስ ምውላዕ ዂናት ኢራንን ምሕያል ሑትን ተተሓሒዙ ድማ ፀጥታ መስመር ንግዲ ቐይሕ ባሕሪ ውን ናብ ቐዳምነት እዩ መፂኡ። ሰብኣዊ መሰል ዝብሃል ነገር ናብ ጉሓፍ ተደርብዩ እዩ፡፡ ሰለዝኾነ እዩ ድማ ሎሚ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪካ ናይ Rare earth minerals ውዕሊታት ክትገብር ‘ምበር ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ክትዛረብ ዘይትርአ። ኣብ ኢ/ያ ንባዕሉ ካምፓኒታት ኣሜሪካ ኣብ ምስራሕ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ኮንትራት ወሲደን ክሰርሓ ምስ መንግስቲ ኢ/ያ ኣብ ዝርርብ እየን ዘለዋ።

ብመንፅር ኢኮኖምያዊ ረብሓ፣ ላዕሊ ከምዝተጠቐሰ ኣሜሪካ ካብ ምስ ኤርትራ ምስ ኢ/ያ ዝሓሸ ርክብ ኣለዋ። ኣብ ምውሓስ ፀጥታ ንግዳዊ መስመር ቐይሕ ባሕሪ ዘለዋ ኣሰራርሓ ግና ቑሩብ ዝተሓላለኸ እዩ። ብስትራተጂ ደረጃ፣ ኣሜሪካ ‘ውን ልክዕ ከም እስራኤል እቲ መስመር ካብ ፅልዋታት ኢራን ነፃ ብዝኾኑ ሓይልታት ክዕብለል እያ ትደሊ። እዚ ካዓ ንጉጅለ እስራኤል፣ ኢማራትን ኢ/ያን ክትድግፍ የገድዳ። ብስትራተጂ ናይ ነዊሕ ኣመተ ሐዚ ‘ውን ናይዘን ጉጅለ እዚኣተን ደጋፊት እያ። እንተኾነ ግና ኣብዙሐዚ ስዓት እዚ ነዊሕ ክፋላት ቐይሕ ባሕሪ ኣብ ትሕቲ ኤርትራ ስለዝርከብ ብታክቲካዊ ኣካይዳ ደረጃ ምስ መንግስቲ ኢሳያስ ክትዘራረብን ርክባ ክተመሓይሽን ተጊዲዳ እያ። እዚ ንግዚኡ ነቲ ኢራን ዝፈጥረቶ ምዕፃው መስመር መፃብቦ ሆርሙዝ ዝፈጠሮ ኢኮኖምያዊ ቕልውላው ንምድሓን ተባሂሉ ዝተኸየደ ኽያዶ ‘ምበር ብስትራተጂ ደረጃ ኣብ ኤርትራ ዝቐየረቶ ፖሊሲ ሃልዩ ኣይኮነን። ኹሉ ታክቲካል እዩ። ስለዝኾነ ኣሜሪካ ነቲ ምስ ኢራን ፅቡቕ ርክብ ዘለዎ ኢሳያስ ተኣልዩ ናይ እስራኤል ተለኣኣኺ ሓይሊ ነቲ መስመር ክቆፃፀሮ ድሌት ኣለዋ።እዚ ማለት ግን አብዙ እዋን እዚ ኢ/ያ ቐይሕ ባሕሪ ንምቁፅፃር ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዂናት ክትከፍት ትድግፍ እያ ማለት ኣይኮነን። ቐዳማይ ምርጫ ኣሜሪካ ዂናት ተዘይፍጠር እዩ። ምኽንያቱ እቲ መሰመር ንግዲ ብዂናት ምኽንያት ክተኣጓጎል ኣይትደልን። ዂናት እንተተወሊዑ ግና ናይ ኢ/ያ ወገን ከምእትድግፍ ግልፂ እዩ።

ኣሰላልፋ ጉጅለ ህወሓት

ኣብ እዋን ፅንተታዊ ዂናት፣ ብዝበፀሐና በደል ብሰብኣውነት ዓይኒ ዳርጋ ዝበዝሕ ምዕራብ ዓለም፣ እንኮላይ እታ ርእሰ ሓያላን ኣሜሪካ ኣብ ጎንና እየን ኔረን። ድሕሪኡ ግና እትረፍ ዓለም፣ እቲ ዝመርሖ ህዝቢ፣ ህዝቢ ትግራይ ‘ውን እታይ ይሓስብ ክርዳእ ዘይኽእል ደንቆሮ ጉጅለ ህወሓት ብዝገበሮ ጌጋታትን ናይ ኣሰላልፋ ለውጢታትን ምዕራባዊ ዓለም ብምሉኡ ኣንፃርና እዩ ተሰሊፋ። እቲ ጉጅለ ንጎይትኡ ኢሳያስ ክጉምባሕ ክብል ሰተት ኢሉ ካብ ናይ ኣሜሪካ ካምፕ ናብ ናይ ኢራን ካምፕ እዩ ኣትዩ። ኣምልኾተ ኢሳያስን ህርፋን 4 ኪሎን እምበር እንታይ ይገብር ከምዘሎ ‘ውን ብመሰረቱ ዝተረደኦ ኣይመስለንን። ከም ውፅኢቱ ኻዓ እነሆ ምስ እስራኤልን ኣሜሪካን ብ ዝተሰለፉ ሓይልታት ተሳዒሩ ናብ ኢሳያስ ሑቕፎ ተኾብኪቡ ኣሎ። እዚ ክንብል ከለና ግና እቲ ኣሰላልፋ ኣብ ምስዓር እቲ ጉጅለ ናይ ባዕሉ ተራ ኔርዎ እዩ ንምባል እምበር እቲ ቐንዲ ምኽንያት መስዐሪ ናይቲ ጉጅለ ምስ ህዝቢ ትግራይ ስለዝተበኣሰ እዩ።

ትግራይ ብመንፅር ተኽእሎታት (Scenarios) ናይቲ ዂናት

ወነንትን መወልትን ናይቲ ዂናትን ከምኡ ‘ውን ኣሰላልፋ ዝተፈልላልዩ ሓይልታትን ካብ ረአና፣ ሐዚ ድማ ክኾኑ ዝኽእሉ ውፅኢታት ናይቲ ዂናትን ሕድሕድ ክመፅእ ዝኽእል ውፅኢት ንትግራይ ዝህልዎ ፅልዋን ድማ ንርአ።

ውፅኢት ናይቲ ቐይሕ ባሕሪ ንምቁፅፃር ዝግበር ዂናት፣ ካብ 3 ተኽእሎታት ሓንቲአን እየን ክኾና ዝኽእላ። ንሳተን ድማ፣ ወይ ኣብዪ ክስዕር እዩ፣ ወይ ኢሳያስ ክስዕር እዩ ወይ ‘ውን ሰዓሪ ዘይብሉ ከም ናይ ሱዳንን የመንን ዂናት ኾይኑ ክቕፅል እዩ። ኣብዙ ጉዳይ ኽልተ ትንታነታት ምሃብ ከድልየና እዩ። ሓደ፣ ኣየናይ ውፅኢት እዩ ናይ ምዃን ዝሓሸ ተኽእሎ ዘለዎ ዝብል ክኸውን ከሎ እቲ ካልእ ኣዝዩ አገዳሲ ትንታነ ካዓ ኣየናይ ውፅኢት እዩ ንትግራይ ዝሓሸ ዘርብሓ ዝብል እዩ።

ኣይናይ ውፅኢት ናይ ምዃን ዝሓሸ ተኽእሎ ኣለዎ ንዝብል ነገር ብምኽንያታዊነት እንተተንቲናዮ እቶም ተኽእሎታት ከምዝስዕብ ምቕማጥ ይከኣል። እቲ ዝለዓለ ናይ ምዃን ተኽእሎ ዘለዎ Scenario ሰዓሪ ዘይብሉ ዂናት ኮይኑ ምቕፅል ክኸውን ከሎ እቲ ቐፂሉ ናይ ምዃን ተኽእሎ Scenario ድማ ኣብዪ ዝስዕረሉ ተኽእሎ እዩ። እቲ ካb ኹሎም ናይ ምዃን ዕድሉ ዝፀበበ Scenario ድማ ኢሳያስ ስዒሩ ዝወፀሉ ዕድl እዩ። ኣየናይ Scenario ንምዃን ዝሓሸ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ንምግማቱ ኣዝዩ ኸቢድ ኣይኮነን። ህልው ታሪኽ ከምዝነግረና ብዙሓት ዞባውን ዓለምለኻውን መወልቲ ዝሳተፍሉ ዂናት መብዛሕትኡ ግዜ ሰዓሪ ይኹን መወዳእታ የብሉን። ኣብ ቐረባና ‘ኳ ናይ ሱዳንን የመንን ከምኣብነት ምርኣይ ይከኣል። እንድሕር ከምገለ ሓዲኦም ስዒሮም ግና ኣብዪ ‘ዩ ዝለዓለ ናይ ምስዓር ዕድል ዘለዎ። ንምንታይ እንተተባሂሉ፣ ሓደ ናይ ኣብዪ መወልቲ ብዓቕሚ ዝሓሹ እዮም (እስራኤልን ኢማራትን ብውሱን መልክዑ ድማ ኣሜሪካ ስለዝኾኑ)፣ ብዝበለፀ ግና ናይ ኣብዪ መወልቲ ዘይከም ናይ ኢሳያስ እስካብ መወዳእታ ኣብዪ ንምሕጋዝ ዝቖረፁ እዮም። Abyi’s sponsors are more powerful and more determined compared to Isaias’s. እቲ ካልእ ረቛሒ ድማ ውሽጣዊ ዓቕሚታት እንትኸውን ኣብዪ ዝሓሸ ዓቕምታት ኣለውዎ። እቲ ሓያል ውሽጣዊ ዓቕሚ ዝበሃል ዕላማኻ ዝድግፍ ህዝቢ እዩ። ከም እንፈልጦ ኹሎም ሓይልታት ማለት ‘ውን ኣብዪ፣ ኢሳያስ ይኹን ህወሓት ኹሎም ህዝቢ ዝፈንፈኖም እዮም። እንተኾነ ካብኡ ናብኡ ንእመን ኣይንእመን ኣብዪ ዝድግፍዎ ኽፋል ህዝቢታት ኣለውዎ። ህዝቢታት ኦሮሞን ደቡብን ብኣብዝሓ፣ ህዝቢ ዓፋርን ሶማልን ‘ውን ብዝተወስነ መልክዑ ደገፍቱ እዮም። እዚ ዳርጋ ካብ 50% ህዝቢ ኢ/ያ ዝበልፅ ብዝሒ እዩ። ጉዳይ ቐይሕ ባሕሪ ምስተጎሃሃረ ድማ ዘይንዓቕ ህዝቢ ኣምሓራ ‘ውን ክድግፎ ዝኽእለሉ ዕድል ኣሎ። ዝበዝሕ ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ብሰንኪ በደላት ህወሓት ንኣብዪ ዋላ እንተዘይደገፎ ኣይከዕንቅፎን እዩ። ብዞም ምኽንያታት እዚኣቶም ሓዲኦም ዝስዕርሉ ዕድል እንተልዩ ኣብዪ እዩ ዝስዕር። ኢሳያስ ብቑፅሩ ውሑድ፣ ብመግዛእቱ ድማ ሰንሰን ዝበለ ህዝቢ ሒዙ፣ መወልቱ ‘ውን ኣዝየን ሓያላን ዘይኮና፣ ንዕኡ ንምድጋፍ ‘ውን እቲ ዝድለ ቖራፅነት (Determination) ዘይብለን (ምናልባት ብዘይካ ግብፂ) ስለዝኾነ ናይ ምስዓር ዕድል የብሉን። እቲ ጂኦግራፊ ‘ውን ንኣብዪ እዩ ዝድግፍ፣ ምኽንያቱ ኣብዪ ንክስዓር እቲ ዓውደ ዂናት (Front line) 700 – 800 ኪሎ ሜትር ካብ ዶብ ኤርትራ ናብ ኣዲስ ኣባባ ክጓዓዝ ኣለዎ። ኢሳያስ ንክስዓር ግና እቲ ዓውደ ዂናት 100 ኪሎሜትር ጥራይ እዩ ንሰሜን ገፁ ክጓዓዝ ዘለዎ። ምስዚ ተተሓሒዙ ገለ ሰባት ኣብዪ ኣስመራ ኣትዩ ማለት ኤርትራ ተሳዒራ ማለት ኣይኮነን ዝብሉ ኣይሰኣኑን። ኣብዚ ዕድመ’ዚ፣ ‘ሞ ህዝቢ ፀሊእዎ እንከሎ ኢሳያስ ሳሕል ወሪዱ ኣስመራ ክምለስ እዩ ኢሉ ዝሓስብ እንተሎ ጥዕና ኣእምርኡ ዘጥራጥር ሰብ ጥራይ እዩ።

ናይቲ ዂናት ናይ ውፅኢት ተኽእሎታት (possible scenarios)፣ ከምኡ’ውን ናይ ምዃን ዕድሎም ካብ ረአና ሐዚ ድማ ናብ ትንተና ናይቲ ዋና አገዳሲ ጉዳይ ክንኣቱ። ሕድሕድ ናይ’ቲ ዂናት ናይ ውፅኢት ተኽእሎ (Scenarios) ንትግራይ እንታይ ይገብራ? ንትግራይ ኣየናይ ውፅኢት እዩ ዝሓሸ? ዝብሉ ትንታነታት። እዚ ነገር ምትንታን ኣገዳሲ ዝገብሮ ሕድሕድ ተኽእሎታት ኣብ ትግራይ ዘለዎም ፅልዋ ተረዲእና ነቲ ንትግራይ ዝሓሸ እንብሎ ውፅኢት ክመፅእ ክንሰርሕ ምእንቲ እዩ።

1. ስዓራይ ዘይብሉ ዂናት እንተቐፂሉ

ላዕሊ ከምዝጠቐስናዮ ካብቶም 3 ተኽእሎታት እቲ ዝሓሸ ናይ ምዃን ዕድል ዘለዎ እዚ ምዃኑ ጠቒስና ኔርና። ሐዚ ድማ እዚ ብመንፅር ትግራይ እንታይ ከምዝመስል ንርኣዮ። ስዓራይ ዘይብሉ ዂናት እንተቐፂሉ ዘይውዳእ ዂናት ኣብ መሬት ትግራይ ይቕፅል ኣሎ ማለት እዩ።እዚ ትርጉሙ እንታይ ከምዝኾነ ምግማቱ ኣየፀግምን። ዘየቋርፅ ሞት፣ ጥሜትን ስደትን ማለት እዩ። ውፅኢቱ ኻዓ ኣብ መወዳእታ ቀስ ብቀስ ምጥፋእ ትግራይ እዩ።

2. ኢሳያስ እንተስዒሩ

ኢሳያስ እንተስዒሩ ትግራይ እንታይ ክትኸውን ትኽእል ኢልካ ንምግማት ልዕል ኢልና ዝረኣናዮ፣ ኢሳያስ ኣብ ትግራይን ትግራዋይነትን ዘለዎ ኣረኣእያ ምውካስ ጥራይ እኹል እዩ። ኢሳያስ ፀሊኡና ዘይኮነስ ከም ዕላማ ዝሰርሐሉ ናይ ሃገር ህንፀት ፕሮጀክት ምጥፋእ ትግራይን ትግራዋይነትን ስለዝጠልብ ከጥፈአና ዕላምኡ ከምዘገድዶ ርኢና ነይርና። እዚ ካዓ ቀዳማይ ሃገራዊ ዕላማ/ፕሮጀክት ኢሳያስ ስለዝኾነ ብዝኾነ ምሕዝነት ይኹን ውዕለታ ክቕየር ከምዘይኽእል ‘ውን ርኢና ኔርና። ካብዚ ብምብጋስ ኣብዚ ዂናት እዚ ኢሳያስ እንተስዒሩ ዕጫ ትግራይን ትግራዋይነትን ምጥፋእ ከምዝኽውን ኣየጠራጥርን። እዚ ምጥፋእ ትግራይ፣ ኢሳያስ ከመይ መተግበሮ እንተኢልና ብዙሓት መስርሓት ክህልውዎ ይኽእሉ ይኾኑ ግን ድማ ክግመት ዝኽእል ነገር ኣሎ። ኢሳያስን ፋኖን ከም ዝፍለጥ ኣብ ፍልስፍና ኣዋቓቕራ ኢ/ያ ከምዝሰማምዑ ዝፍለጥ ነገር እዩ። ክልቲኦም፣ ኩሎም ብሄራት ዝተጨፍለቑላ ሓንቲ ኣምሓረይቲ ሃገር ክትኽውን እዮም ዝደልዩ፡፡ ኢሳያስ ህወሓትን ፋኖን 4 ኪሎ እንተኣትዮም፣ ኢሳያስ ብዘይ ውዓል ሕደር ንፋኖ ኣብ ስልጣን ኣቐሚጡ፣ እታ ሃገር ንሱን ፋኖን ብዝደልይዋ መዋቕር አዋቒሩ፣ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ጂኦግራፍያዊ ክፋላት ኸፋፊሉ ምስ ኣምሓራ ብምውህሃድ ትግራን ትግራዋይነትን ጥራይ ዘይኮነ ኮላይ ካልኦት ብሄራት ቀስ ኢሎም ኣብ ኣምሓራውነት ከምዝሓቁ እዩ ክገብር። ህወሓት በዚኣ አሰራርሓ ዶ ኣይተሰማምዑን፣ ስልጣን ይወሃቦም፣ ሚኒስተራት ይኾኑ፣ ፅቡቕ ናብራ ይነብሩ። በዚኣ ኣይንሰማምዕን ዶ ኣይበሉን፣ ኣብኣ ብፋኖን ኢሳያስን ይጠፍኡ። እዚኣ እያ እታ ውፅኢት። ፅምዶ እንተተዓዊታ ‘ታ ውፂት እዚኣ እያ ክትኸውን።

3. ኣብዪ እንተስዒሩ

ኣብዪ ከም ኢሳያስ ዝተፈልጠ ፖለቲካዊ ዕላማ ይኹን ፖለቲካዊ ፍልስፍና ስለዘይብሉ፣ እንተስዒሩ ነገራት እንታይ ከምዝመስሉ ምግማቱ ከም ናይ ኢሳያስ ቐሊል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብዪ ቕድም ኢሉ ከምዝረኣናዮ ካብ ስልጣን ወፃእ ካልእ ቐዋሚ ረብሓ ወይ ‘ውን ዕላማ ወይ ፍልስፍና የብሉን፡፡ ካብ ስልጣን ንደሓር ዘለዉ ኹሎም ነገራት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ወሪዶም ንስልጣንን ውልቃዊ ዝናን ዝሽወጡ እዮም፣ ብኣብዪ። ስለዚ ኣብዪ እንተስዒሩ፣ ኣብቲ እዋን ንሱ ብዝፍጠር ኹነታት ኣብዪ ንትግራይ ከም ሓደጋ ስልጣኑ ዶ ይሪኣ ወይስ ካብ ትግራይ ንላዕሊ ንስልጣኑ ሓደጋ ዝኾኑ ሓይልታት ይፍጠሩ ‘ሞ ትግራይ ካብ ቀዳማይ ደራጃ ፀላኢት ወፅያ ወይ ከም ሞንጎኛ ወይ ‘ውን ከም ታክቲካል ፈታዊት ይሪኣ ይኽውን ዝብል ንምግማቱ ኣፀጋሚ እዩ።

ክንብሎ ንኽእል ነገር ግና፣ ኣብዪ ምስ ኢሳያስ ዂናት ኣብዝኣተወሉ ስዓት ንኣብዪ ኣብ ኢ/ያ ልዕሊ ትግራይ አገዳሲ ቦታ ይኹን አገዳሲ ህዝቢ ኣይክህሉን። በቲ ዘሎ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ምኽንያት። ኣብዪ ንህዝቢ ትግራይ እንተኾይንሉ ከም ደጀን ተዘይኾይንሉ ድማ ከም ሞንጎኛ ከይሓዘ ምስ ኢሳያስ ዂናት ኣይስዕርን ጥራይ ዘይኮነ ክስዓረሉ ዝኽእል ዕድል ‘ውን እዩ ዝፈጥር። ነዚ ኽብል፣ ምእንቲ ረብሕኡ ትግራይ ናይ ዘይምጉዳእ መንገዲታት ክኽተል ይኽእል እዩ። ብስሩ ‘ውን 4 ኪሎ ዝሓልሙ መራሕቲ ትግራይ ኣብ ዘየለውሉ ግዜ ንትግራይ ከም ቑፅሪ 1 ሓደጋ ስልጣኑ ጌሩ ዘይከይሪኣ ይኽእል እዩ። እዚ ተጋሩ እንተለቢምናን ካብ ሕሉፍ እንተተማሂርናን ክንምዝምዞ እንኽእል ዕድል ዝፈጥር እዩ። ኣምሓራ ኣብ ዂናት ትግራይ ከምዚ ዝመሰለ ዕድል መዝሚዞም እዮም መሬታት ትግራይ ዝወሰዱ።

ነዚ ገዲፍና ነቲ ዝኸፈአ (worst case scenario) እንተሓሲብና ካዓ ኣብዪ ልክዕ ኢሳያስ ክገብሮ እዩ ዝበልናዮ ነገር ኹሉ ጌሩ ትግራይን ትግራዋይነትን ከጥፍእ ክሰርሕ ይኽእል እዩ ዝብል እዩ። ስለዚ እንተኽፈአ እንተኽፈአ ኣብዪ ስዒሩ ‘ውን ትግራይ ናይ ምጥፋእ (ማዕረ ከም ናይ ኢሳያስ) ከጋጥም ይኽእል ማለት እዩ።እንተኾነ ግና ልዕል ኢልና ከምዝረኣናዮ ኣብዪ እንተስዒሩ እዚ ናይ ዘይምዃን ዕድል ‘ውን ኣሎ። ኢሳያስ እንትስዒሩ ግን ከምኡ ዝብሃል ካልእ ተኽእሎ የለን። ስለዚ በዚ ትንተና መሰረት ካብ ኢሳያስ ክስዕር ኣብዪ እንተስዒሩ ንትግራይ ዝሓሸ ከምዝኾነ ግልፂ እዩ። ማንም ሰብ ነቲ ክቐትሎ ምዃኑ ዝፈልጦ ሰብ ዘይኮነ ነቲ ክቐትሎ ‘ውን ዘይክቐትሎ ‘ውን ዝኽእል ሰብ ክመርፅ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ እዩ። ናይ ኣብዪን ኢሳያስን ‘ውን ብመንፅር ትግራይ ከምኡ እዩ።

መዋፅኦታት

ኣብ ላዕሊ ካብ ዝረኣናዮም ትንታነታት ተበጊስና ትግራይ ኣብዙ ሐዚ ስዓት እንታይ እንታይ ናይ ሓፂር ግዜ መዋፅኦታት ኣለውዋ እንተኢልና እቲ ቐዳማይ ዝመፅእ ዓውደ ዂናት ካብ ትግራይ ክወፅእ ምግባር እዩ። ቐፂሉ ድማ እቲ ዂናት ብኣጠቓላሊ ተሎ ክውዳእ ምግባር እዩ። ሳልሳይ ድማ ጎንጎኒ ዓቕምታትን ሓድነትን ትግራይ ምእካብ። እዚአን መዋፅኦታት ሓደ ብሓደ እንታይ ማለት ምዃነንን ከመይ ከ ክትግበራ ከምዝኽእላን ነርአ።

እቲ ዓውደ ዂናት ካብ ትግራይ ክወፅእ ምግባር

ዓንተዎይ ከምዝበልናዮ፣ እቲ ሓደ ትግራይ ከጥፋኣ ዝኽእል ትግራይ ዓውደ ዂናት ኮይና እንተቐፂላ እዩ። ዂናት ዘስዕቦ ሞት፣ መቑሰልቲ፣ ጥሜት፣ ስደትን ብርሰትን ንኹሉ ሰብ ብሩህ እዩ። እዚ ንከይኽውን እቲ ዓውደ ዂናት ዝከኣለና ጌርና ካብ ትግራይ ክነውፅኦ ኣለና፣ እንተነኣሰ ክንፍትን ኣለና። እቲ ዂናት ናብቶም ሰብ ዋናታት ናይቲ ዂናት ክንሰዶ ኣለና፡፡ እዚ ማለት ወይ ናብ ኣዲስ ኣባባ ገፁ ወይ ‘ውን ናብ ኣስመራ ገፁ ማለት እዩ። እቲ ኣብ ሞንጎ ተጋሩ ዝህሉ ፍልልይ ካዓ ኣብዚ እዩ ክመፅእ። ገሌና ተጋሩ ነቲ ዂናት ናብ ኣዲስ ኣበባ ገፁ ክንሰዶ ክንደሊ ኢና ገሌና ካዓ ናብ ኣስመራ ገፁ። ኣብዚ ምርጫ እዚ ኢና ካዓ ኽውንነት ዘገናዘበ፣ ካብ ስምዒት ዝረሓቐ ገምጋም ጌርና ክንውስን ዘለና። እቲ ዂናት ናብ ኣዲስ ኣባባ ገፁ ክምለስ ንግበር ዝብል ኽውንነት ዘለዎ መፍትሒ ኣይኮነነ፣ በዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት፡

ሓደ ንሱ ተፈቲኑስ ፈሺሉ እዩ። እቲ ዂናት ኹልና ከም እንዝክሮ ኣብ ቆቦን ሰቖጣን እዩ ተጀሚሩ ኔሩ። ሐዚ ግና ዶባት ኤርትራ በፂሑ ኣሎ። ተፈቲኑ ዝፈሸለ ነገር ሐዚ ደጊምና ንፈትኖ እንተበልና ዝሰርሕ ኣይኮእነን፡፡ ሐዚ ኻዓ ብፍላይ ኣንፃር እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ናህሪ (Momentum)።

ኻልኣይ፣ ናብ ኣዲስ ኣባባ ገፁ ናይ ምምላስ ዕድል ተዝህሉ ‘ውን ደጊምካ ካብ ዶባት ኤርትራ መላእ ትግራይ እናንጠቕጠቕካ እዩ ክምለስ። እዚ ድማ እቲ ክነወግዶ እንፍትን ዘለና ዓውደ ዂናት ናይ ምዃን ስራሕ ርእሱ ንርእሱ ዝፃረር ተግባር እዩ።

ሳልሳይ፣ እቲ ዂናት ናብ ኣዲስ ኣበባ ገፁ ክምለስ እንትኾይኑ ተጋሩ ኢና ተዋጊእና ክንምልሶ ‘ምበር ካልእ መላእ ትግራይ ኣቋሪፁ እናተዋገአ ንኣዲስ አበባ ገፁ ዝኸይድ ሓይሊ የለን።ኢሳያስ ከይንብል፣ ኢሳያስ ጎራሕ ዂናት ናብ ጥቕኡ ክትመፅእ ተላ ጥራይ ‘ምበር ናይ ምውጋእ ድሌት የብሉን።ከምኡ ድሌትን ዓቕምን ተዝህልዎ ቆቦ ወይ ሰቖጣ መፅዩ ምሓገዘ።

እቲ ዂናት ናብ ኣስመራ ገፁ ከምዝኸይድ ግና ምግባር ይከኣል እዩ።በዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት እዚ እቲ ዝቕለለን ክኸውን ዝለዓለ ተኽእሎ ዘለዎን እዩ።

ሓደ እቲ ዂናት ድሮ ዝበዝሕ ኽፋላት ትግራይ ሓሊፋ ኣብ ዶባት ኤርትራ በፂሑ ስለዘሎ ካብተን ዝተረፋ ክፋላት ትግራይ ምድፍኡ ስለዘይኸብድ።

ካልኣይ እቲ ዂናት ናብኡ ገፁ ንክኸይድ ካባና ካብ ተጋሩ ዝፅበ ነገር እንተሎ ኢድካ ን እግርኻ ኣጣሚርካ ሱቕ ምባል ጥራይ ስለዝኾነ። ዘይከም እቲ ምምላስ ናብ ኣዲስ ኣበባ እዚ ሞትን ሞቘሰልትን ተጋሩ ዘይኮነስ ምዕቃብ ሂወት ተጋሩ እዩ ዝሓትት።እቶም ምስ ጉጀለ ህወሓት ዘለዉ ተጋደልቲ ሱቕ እንተይሎም ወይ ውግእ እንተገዲፎም ሰራዊት ኢ/ያ ደፊኡ ናብ ግዝኣት ኢሳያስ ክኣቱ እዩ። እዚ ኽልተ ዓወት እዩ። ሓደ ሂወት ተጋሩ እዩ ዝዕቀብ ዘሎ፣ ካልኣይ ድማ ዓውደ ዂናት እዩ ካብ ትግራይ ዝወፅእ ዘሎ። ኣብዙ ጉዳይ እዚ ሓይልታት ሰላም ከ ምስ ሰራዊት ኢ/ያ ኾይኖም ኣንፃር ሰራዊት ኢሳያስ ኣይዋግኡን ድዮም?፣ ከመይ ጌርካ ሂወት ትግራዋይ ምዕቃብ እዩ ትብል ዝብል ነገር ክመፅእ ይኽእል እዩ። እስካብ ሐዚ ብዘሎ ኣካይዳን ኣተሓሳስባን ሓይሊ ሰላም፣ ፀጥታ ትግራይ ምኽባር ‘ምበር ካብ ትግራይ ወፂኻ ኣንፃር ኢሳያስ ናይ ምውጋእ ትልሚ ከምዘየለ እዩ ዝረአ ዘሎ።

ስለዚ ከም መጠቓለሊ፣ እቲ ዂናት ካብ ትግራይ ወፅዩ ናብ ሰብ ዋናታቱ፣ ናብ ኢሳያስ ንክኸይድ ብዘይምውጋእ፣ ሂወትና ብምዕቃብ ንተሓባበር።

እቲ ዂናት ተሎ ክወዳእ ምግባር

እቲ ኻልእ ናይ ትግራይ መዋፅኦ እዚ ዂናት እዚ ተሎ ክውዳእ ምግባር እዩ። ብርግፅ እቲ ዂናት ተሎ ክወዳእ ናትና ናይ ተጋሩ ተራ ንእሽተይ እዩ። ይትረፍ ንሕና እቶም ሰብዋና እቲ ዂናት ዝኾኑ ኣብይን ኢሳያስን ‘ውን ሓደ ግዜ ምስተጀመረ፣ ብዙሓት ሰብ ረብሓን መወልትን ሰለዘለውዎ ኣብ ዝደለይዎ ግዜ ከቋርፅዎ ኣይኽእሉን። ግን እታ ንእሽተይ ክንገብራ እንኽእል ‘ውን ክንገብር ኣለና። ከም ኹሎም ዂናታት እቲ ዂናት ክውዳእ ዝኽእለሉ መንግዲ ወይ ዕርቂ እዩ ወይ ‘ውን ሓዲኦም እንተስዒሮም እዩ። ዂናት ምስተጀመረ ተመሊስካ ብዕርቂ ምውዳእ ኹሉ ግዜ ኸቢድ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ብዙሓት ኢድ ኣእተውትን መወልትን እንተልዮሞ ኻዓ ኣብ ሱዳን እንሪኦ ከም ዘለና ብዕርቂ ናይ ምውዳእ ዕድሉ ዳርጋ ናብ ባዶ እዩ ዝወርድ። እዚ ዂናት ‘ውን ከምኡ እዩ። እቲ ሓደ ዝቐለለ እዚ ዂናት ክውዳኣሉ ዝኽእል መንገዲ ሓዲኦም ስዒሮም እንተወፂኦም ጥራይ እዩ። ብመንፅር ረብሓ ትግራይ ሐዚ ‘ውን እቲ ሕቶ ዘይሩ ዘይሩ “መኒኦም እንተሰዓሩ ይሕሸና?” ናብ ዝብል እዩ ዝመፅእ። እዚ ዓንተዎ ብደቂቑ ርኢናዮ ስለዝኾንና ኣብዚ ኣይደግሞን። ኣብቲ ናይ ዓንተዎ ትንታነና ኣልዒልና ኣውዲቕና ካብ ኢሳያስ ኣብዪ እንተሰዓረ እዩ ዝሓሸ ኢልና ምንባርና ጥራይ ከዘኻኽር።

እሞ ረብሓና እቲ ዂናት ክወዳእ ኣብ ምግባር ካብ ኮነ፣ እቲ ዂናት ክውዳእ እንተኾይኑ ድማ ሓዲኦም ስዒሮም ክወፁ እንተልይዎም፣ ሓዲኦም ክስዕሩ እንተኾይኖም ድማ ንትግራይ ዝሓሽ ካብ ኢሳያስ ኣብዪ እንትስዒሩ እንተኾይኑ፣ ኣብዪ ንኢሳያስ ንክስዕሮ ከመይ ጌርና ንሓግዝ? ዝብል ሕቶ እዩ ቐፂሉ ዝመፅእ። እዚ መልሱ ቐሊል እዩ። ንኣብዪ ብዘይምትዕንቓፍ ንሓግዝ እዩ መልሱ። መሰዋእቲ ኣየድልዮ ዋላ ቓልሲ ኣየድልዮ፣ ገዛኻ ሱቕ ምባል ጥራይ።

ዝተበታትነ ዓቕምን ሓድነትን ትግራይ ምእካብ

እቲ ሳልሳይ ናይ ትግራይ መዋፅኦ ዝበልናዮ እቲ ጉጅለ ህወሓት ዝበተኖ ዓቕምን ሓድነትን ትግራይ ምምላስ እዩ። ኣብዙ ጉዳይ እዚ እቲ ዋና በታኒ ዓቕምን ሓድነትን ዝኾነ ጉጅለ ገሊሱ ስለዘሎ፣ ዝተበተነ ዓቕምን ሓድነትን ህዝቢ ትግራይ መሊስካ ንምእካብ እቲ ናይ መጀመርታ ቕድመ ኹነት ተማሊኡ ኣሎ ምባል ይከኣል። እቲ ዋና ስራሕ ግና ገና እዩ። እዚ ጉዳይ እዚ ኣርሒቕካ ምጥማት፣ ንህዝብኻ ሓላዪ ምዃን፣ ውልቃዊ ረብሓን ዝናን ኣሕሊፍካ ስለ ህዝብኻ ምሃብ፣ ምክእኣል፣ ቂም በቀል ምግዳፍ ወዘተ ይሓትት። እዚ ስራሕ እዚ ቐሊል ኣይኮነን፣ እቲ ዝኸበደ ስራሕ እዩ። ስልጣን፣ ሃፍቲ፣ ዝና ድሕሪ ህዝቢ ምስራዕ ይሓትት፣ ቕንዕናን ትሕትናን ይሓትት። እቲ ስራሕ ካዓ ናይቶም እስካብ ሐዚ ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ናይ ዕጥቂ ቓልሲ ወለዶ ዘይኮነስ ናይቲ ሓዱሽ ወለዶ እዩ። እዚ ወለዶ እዚ ወለዶኣውን ታሪኻውን ሓላፍነቱ እዚኣ እያ።ከምዚኣ ጌሩ ንትግራይ ኣብ ዝሓሸ ሓድነትን ውሽጣዊ ዓቕምን ንቀፃሊ ወለዶ ምሕላፍ። ምናልባት ቐፀልቲ ወለዶ ካዓ ትግራይ ሃገር ይገብርዋ ይኾኑ። እዚ ወለዶ እዚ ሐዚ ‘ውን ከምቲ እስካብ ሐዚ ዝፀንሖ ተፀባዪ ኾይኑ እንተቐፂሉ ግና ደጊሙ ዕድልና በቶም ናይ ዕጥቂ ቓልሲ ወለዶ ክበላሾ እዩ። እዚ ሓዱሽ ወለዶ እዚ ተበግሶ ወሲዱ ገባርን ሓዳግን ጉዳይ ትግራይ ክኸውን ይግባእ። እቲ ኣጀንዳ፣ እቲ ስራሕ መንዚዑ እንተዘይወሲድዎ ግና ዝህቦ ኣካል የለን።

ምስቲ እዋናዊ ኹነታት ብምትሕሓዝ ምእካብ ዝተበተነ ዓቕምን ሓድነትን ዝብል ከመይ እዩ ክትግበር ዝኽእል ዝብል ካዓ ንርአ። ሐዚ ኣብ እዋን ዂናትን ድሕረ ዂናትን ኣብዪ ንትግራይ ባዕሉ ክቆፃፀራ ከምዝሰርሕ ፍሉጥ ነገር እዩ፡፡ ድሮ ‘ውን መረፃ ክሳብ ዝካየድ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ፌደራል መንግስቲ ከምእትመሓደር ዘረባታታት ንሰምዕ ኣለና። እዚ እቲ ዂናት ዝፈጠሮ ነገር ሰለዘሎ ኣይኽውንን ኢልና ክንምልሶ ንኽእል ነገር ኣይመስለንን። ኣይኸውንን ኢልና ንኣብዪ እንተተቓዊምናዮ ‘ውን ገና ባዕልትና ኣብ ውሽጥና ከይተነጋገርና፣ ሓበራዊ ርድኢት ከይፈጠርና ስልጣን እንተመፅዩ ንሕንሕን ምድፍፋእን ስለዝመፅእ ኣብ ክንድ ሓድነትና ንምልስ መሊስና ክንበታተን ስለንኽእል ውፅኢቱ እቲ እንደልዮ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ናይ ኣብይን ኢሳያስን ዂናት ግን እዚ ሕማቕ ኣጋጥሚ ጥራይ ዘይኮነ ፈጢሩስ ብኣንፃራውነት ፅቡቕ ዕድላት ‘ውን ኣለውዎ። ካብኣቶም ሓደ ልዕል ኢልና ከምዝጠቐስናዮ ኣብዪ ኣብ ትግራይ ክህልዎ ዝኽእል ፖሊሲ ክቕየር ዘለዎ ተኽእሎ እዩ። ኣብዪ ምስ ኢሳያስ ዂናት ክስዕር ድዩስ ክሰዓር ካብ ህዝብታት ኢ/ያ እቲ ዝለዓለ ወሳንነት ዘለዎ ህዝቢ ህዝቢ ትግራይ እዩ፣ ቐፂሉ ድማ ህዝቢ ዓፋር። በቲ ጂኦግራፊ ምኽንያት። ህዝቢ ትግራይ ኣንፃር ኣብዪ እንትኾይኑ ኣብዪ ብድሕሪት ፀላኢ ብቕድሚት ፀላኢ ገይሩ ክስዕር ኣይኽእልን። ስለዚ ኣብዪ ንትግራይ እንተኽኢሉ ደጀን ተዘይኮነ ድማ ሞንጎኛ ክትኾነሉ ከም ዝሰርሕ ምኽንያታውነት ዝድንግጎ ነገር እዩ። እዚ ንትግራይ ዓብዪ መዋገዩ (Leverage) እዩ። ናትና ስራሕ ነዚ leverage ኣፀቢቕና መዝሚዝና ንረብሓ ትግራይ ምውዓል እዩ። እቲ ቐንዲ ሕቶ፣ ልሂቃን ትግራይ ነዚ መዋገዪ እዚ ተጠቒሞም ዶ ሓድነቶም መሊሶምን ዓቕሞም ኣደልዲሎምን ንረብሕኦም ይቃለሱ ወይስ ካብ ኣብዪ ንዝትኮባ ገንዘብን ስልጣንን ክማናጠሉ ታሪኽ ጉጅለ ህወሓት ይደግሙ ዝብል እዩ።ተስፋ ይገብር ነቲ ናይ መጀመርታ ኽንገብር።

ስለዚ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ፌደራል ኣብ ትመሓደረሉ እዋን ንሕና ዕዮ ገዛና ክንሰርሕ ምኽኣል እዩ እቲ ዓብዪ ቑምነገር።ንሱ ድማ መድረኻት እናፈጥርና ምርድዳእ፣ ሓበራዊ ርድኢት ምሓዝ፣ ናይ ሓፂርን ነዊሕን ግዜ ትልሚታት ምውፃእ፣ ፍኖተ ካርታ ምውፃእ ወዘተ። ድሕሪ እዚ፣ ሓበራዊ ርድኢት ሒዝካ፣ ተውዲብካን ሓይሊ ፈጢርካን ንረብሓኻ ምቅላስ። ኣብዛ ግዜ መፃብቦ እዚኣ እታ ዘላ ቐጣን መደያይቦ መንገዲ እዚኣ እያ።

ተዛዚሙ።


ሓሳባት ናይዚ ፅሑፍ ኣብዚ ተዛዚሞም አለው። ኣብ መወዳእታ ግና እዚ ፀሓፊ ንኹሎም ተጋሩ፣ ብፍላይ ካዓ ነቲ ሓዱሽ ወለዶ እዚ ዝስዕብ መተሓሳሳቢ ክህብ ይደሊ።

መተሓሳሰቢ

ከም ዝፍለጥ ፖለቲካዊ ኹነታት ትግራይ ተበላሽዪ፣ ኣብ ኢድ ክልተ ፀላእትና ኣትዩ፣ ካብ ሓዲኦም ፀላእቲ ንሓዲኦም ካብ ምምራፅ ወፃእ ካልእ መቃለሲ ባይታ ዘይብሉ ኾይኑ ፀኒሑ እዩ። ዝበዝሕ ህዝብናን ልሂቅናን ካብቶም ዝተውሃብዎ ኣማራፂታት ነቲ ሕማቕ ‘ውን ዝኸፈአ ኣለዎ ከምዝብሃል ነቲ ካብቲ ዝኽፈአ ኣማራፂ ነቲ ሕማቕ ዝበሎ መሪፁ ክቃለስ ፀኒሑ እዩ። ክልቲኦም ምርጫታት ሓደ እዮም፣ ንትግራይ ኣየርብሑን፣ ካልእ ዝሓሸ ኣማራፂ ኣለና ዝብሉ ድማ ናይ ባዕልቶም ኣማራፂ ብምቕራብ ክቃለሱ ‘ኳ እንተፈተኑ እቲ ባይታ ስለዘይፈቅድ ዝነበረ ግና አብ ባይታ ከም ናይ ብሓቂ ምርጫ ክኾኑ ኣይኮኑን። ኻልእ ኽፋል ትግራዋይ ድማ ኽልቲኦም ኣብ ባይታ ዝነበሩ ኣማራፂታት ንዘይምምራፅ፣ እቲ ሳልሳይ ምርጫ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ‘ምበር ኣብ ባይታ ብዘይ ምንባሩ ትርጉም የብሉን ካብ ምባል ሱቕ ሕትም ዝመረፀ ብዙሕ እዩ፣ ንባዕለይ ሓዊሱ። ፀኒሑ ከምዝተረደአኒ ግና ኣማራፂ ስኢንካ ሱቕ ምባል ወይ ‘ውን ኣብ ባይታ ዘየለ፣ ለውጢ ከምፅእ ዘይኽእል ነገር ንመትከል ወይ ‘ውን ንሃልኪ ማሕበራዊ ሚድያ ኢልካ ተኸኽ ምባል ጌጋ ምዃኑ እዩ። ምኽሪ ሓደ ለባም ትግራዋይ መሰረት ጌረ ከምዝተረዳእኽዎ፣ ቓልሲ ካብቲ ኣብ ባይታ ዘሎ መማረፂ ኢኻ ትጅመር፣ ይሕመቕ ይፀብቕ። ምኽንያቱ ፖለቲካ ኣብ መወዳእታ፣ ብዛዕባ ልክዕ ምዃን ኣይኮነ ዋላ ብዛዕባ እምነት ወይ ‘ውን መትከል ኣይኮነ።ፖለቲካ ብዛዕባ ህዝብኻ ምርባሕ እዩ። ካብተን ዘለዋ ኣማራፂታት ንህዝብኻ ዝሓሸ ክተርብሕ እትኽእል ነገር መሪፅካ ትቃለስ። ንሳ ምስ ኣሳኻዕኻ ድማ ናብ ዝሓሸ ነገር ክብ ተብላ። ቕደም ስዓብ ነገራት ወሳኒ እዩ። ካብ ዜሮ ተበጊስካ ነቲ ትሓልሞ ብሓደ ግዜ ተዘይረኸብኩ ኣይትብልን፡፡ ነታ መወዳእታ እትደልያ ነገር ናብ ምብፃሕ ዋላ ሓንቲ ስድሪ ዝሕግዘካ ነገር እንትኾይኑ ትቕበሎ። ኣብ ባይታ ወሪዱ ክዕወት ዕድል ዘይብሉ ነገር ግና ዓሰርተ ወርቂ ተኾነ፣ ዓሰርተ ልክዕ ተኾነ ምንም ትርጉም የብሉን። ኣብ ተግባር ውዒሉ ህዝቢ ተዘይኣርቢሑ ታይ ትርጉም ኣለዎ? Politics is the art of the possible ዝበሃል ብዘይምኽንያት ኣይኮነን። ናይ ምዃን ተኽእሎ(Possibility) ዘይብሉ እንተኾይኑ ትርጉም የብሉን። ስለዚ ሐዚ ‘ውን ኣብዙ ፅሑፍ እዚ ብዝተኻኣለ መጠን ኣብ ባይታ ክኸውን ብዝኽእል (Pragmatic) ብዝኾነ ኣተሓሳስባ እዩ ተፃሒፉ። ነዚ ፅሑፍ ክተንብቡ ከለኹም ብሓሳብ ደረጃ ብዙሓት ካብዚ ዝበልፁ ሓሳባት ክትሓስቡ ከምእትኽእሉ ፍሉጥ ነገር እዩ። ሓሳብኩም “ኽውንነት ኣብ ግምት ዘእተወ ድዩ?፣ ኣብ ባይታ ብተግባር ክትግበር ዕድል ኣለዎ ዶ?” ኢልኩም ክትሕቱ ግን ይምሕፅነኩም። ነዞም ኣብዙ ፅሑፍ እዚ ቐሪቦም ዘለዉ ሓሳባት ‘ውን ከም ሓሳባት መጠን ጥራይ ዘይኮነ ተግባራውነት ኣብ ግምት ኣእቲኹም ክተሰላስልዎም ይላቦ። ካብዚ ዝበለፁ pragmatic ዝኾኑ ሓሳባት ክህልዉ ከምዝኽእሉ ብምትእምማን ድማ ሓሳባትኩም ክተካፍሉን ክትካትዑን መፀዋዕታይ የቕርብ። የቐንየለይ።

ሰሰናዩ!

ሰላምን ሓድነትን ንትግራይ!

See something that needs correcting? Report a correction.

Discussion

Keep comments respectful and relevant. No threats, personal attacks, hate speech, spam, or private information. Comments are reviewed before publication.

Loading comments…

Checking discussion availability…