ኣቢይ ኣሕመድ ተተቐበሎ ታይ ይፍለጥ ብዝብል ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ፕረዚደንት ኾይኖም ክቕፅሉ ኣብ ማዕኸላዊ ኮሚቴ ህወሓት ኣወሲኖም፤ ፍልፍላት ዩኤምዲ ሚዲያ
By UMD Media
Published
Last updated
1 min read
0 viewsለካቲት 26 2015 ዓም
ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ቐዳም ለካቲት 26 ድሕሪ ሰዓት ካብ 9 ሰዓት ጀሚሩ እስካብ 4 ናይ ምሸት ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ብፈጽሚት ስራሕ ብዝቐረበ ዝርዝር መሰረት ነዞም ዝስዕቡ 12 ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴን 2 ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ንዘይኾኑ ሰባት (መበል 7ን መበል 13) ኣብቲ ዝጣየሽ ዘሎ ጊዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ኽመርሁ ኸምዝተወሰነ ዝተፈላለዩ ፍልፍላት ዩኤምዲ ሚዲያ ኣረጋጊፆም፡፡ ኣርባዕት ኣባላት ፈፃሚት ስራሕ ማለትም ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር፤ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፤ ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ፤ ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ኣብቶም 14 ኣይኣተዉን፡፡
ብኣቢይ ኣሕመድ ተቐባልነት ንምርካብ ዶ/ር ደብረፅዮን ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኸዱ ዝነበረ ሃሳብ እስካብ ዛሰዓት እዚኣ ኸምዘይኸዱ ኣረጋጊፅና ኣለና፡፡ኣቢይ እንድሕር ዘይተቀቢልዎ እንደገና ማእኸላይ ኮሚቴ ኽእከብ ምኳኑ ዝሓበሩና ካብ ወታሃደራዎ መራሕቲ ድማ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ሓደ ቦታ ንበይኖም ተኣኪቦም ሌተናል ጄነራል ታደሰ ወረደን ብርጋዴር ጄነራል ተኽላይ ኣሸብር(ወዲ ኣሸብር)ን ዘለውዎ ናብ እቲ ሓዱሽ ጊዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ኽሕወሱ ወሲኖም፡፡
See something that needs correcting? Report a correction.
Discussion
Keep comments respectful and relevant. No threats, personal attacks, hate speech, spam, or private information. Comments are reviewed before publication.
Loading comments…
Checking discussion availability…
