Understanding, Measuring, and Doing: Shattering the Information Blackout

ኣብ መንጎ ሰለስተ ሓይልታት ዝተቐርቀረ ብዓል ሓደራ ምምሕዳር!

By UMD Media

Published

Last updated

4 min read

1 view

ኤርሚያስ ኣማረ

ብዓል ሓደራ ምምሕዳር ብመዳይ ፀጥታ ምርግጋዕ ዋላ ርኡይ ስራሕቲ ይስራሕ ፓለቲካዊ ቅቡልነቱ ብሓዊ ይፍተን ከምዘሎ ናይ ኣደባባይ ሚስጥር እዩ። ምስቶም ዝሓለፉ ምምሕዳራት ብምንፅፃር ዳርጋ ህዝቢ ልዑል ተስፉ ዘሕደረሉ ስብሰብ እዩ ነይሩ። ትግራይ ብደቃ ካብቲ ሕማቕ ስርዓት ሓራ ምስወፀት ተኸቲሉ ዝመፀ ምምሕዳር ስለዝነበረ ናይ እምነት ዕዳ ተዋሂብዎ። መንእሰይ ካብ ግፉ ድሒኑ፣ ብሰላም ይሕመቕ ይፀብቕ ፎቖዶ ወረዳታትን ከተማታትን ዝነበረ ኣሳታፊ መረፃ ተሓጒሱ። ሕዚ ግን እቲ ናይ ፈለማ ሓጎስን ተስፋን (euphoria) ዝቐነሰ ይመስል። ከም ኣብነት ኣበይቲ ዓዲ ዞባ ደቡብ ንጥርዓን ንመቐለ ከምዝኸዱ ይስማዕ ኣሎ። ህዝቢ ነቲ ቅሳነት ከየስተማቐሮ፤ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዛዕባ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ዝግበር መረፃ ኣብ ምውጋዕ ይርከብ። እቲ ምምሕዳር ቀንዲ ዕማሙ ‘ናተንከባለሉ ዝመፁ መሰረታዊ ሕቶታት ህዘቢ ክምልስ ዋላ እንተኾነ ደረት ስልጣኑ ኣብ ግምት ብምእታው ክኸብዶ ከምዝኽእል ምግማት ይከኣል እዩ። ግን ዕድምኡ 6ተ ወርሒ ኾይኑ ክንሱ ብእርይ ቁፅር ቃል ዝኣተወን ከይተግበረን ሕምሽ ዕድምኡ ስለዝተወድአ ህዝቢ ተስፍኡ ይፅልምት ኣሎ። ከምኡ ኾይኑ እውን መደባቱ ኣብ 6ተ ወርሒ ንምፍፃም መሓዉሩ ዝዝርገሐሉ ዘሎ ኣካይዳ ምደባታት ቅሬታ ፈጢሩ እዩ። እቶም ኣመራርሓ እውን እተኾኑ ነንባዕሉ ዝጋጮ እዮም ዝዛረቡ። ገሊኦም ኣብ 6ተ ወርሒ ንባዕሉ ከጥፍእ እዩ ተጣይሹ እንዳበሉ በቲ ሓደ ገፅ ድማ ብዛዕባ ዓመታት ዝወስድ ኮሪደር ልምዓት እንትዛረቡ ምጥራጣት ፈጢሩ እዩ። ኣብ ገለ ገለ መድረኻት ንደብሪፅን ሞንጆሪኖን ዝረኸቡ መሲሎም ንነበር ኣባላት ህወሓት (ዳርጋ ህዝቢ) ዝተንከፉሉ ዘረባታት ዋጋ ኣኽፊልዎም እዩ። ብሓፂሩ ኣካይዶኦም ኣደዳ ወዲ ሓውቦ ይኾኑ ዘለዉ ይመስል። እዚ ከምዘሎ ኾይኑ፣ ብናተይ ትዕዝብቲ ካብ ውሽጣዊ ፀገማቱ ብተወሳኺ፣ ኣንፃር እቲ ምምሕዳር ዝተሰለፉ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣለዉ። ቀንዲ መልእኽቲ እዚ ፅሑፍ፣ እዞም ሓይልታት ነናቶም ድልየትን ዕላማን ከምዘለዎም ምሕባርን፣ እቲ ብዓል ሓደራ ምምሕዳር ድማ ‘ቀሚሽ ኣደይ ኣዐንቂፉኒ’ ከይበለ፣ ንውሽጣዊ ድኽመታቱ ናብ ደገ ከይኣላገበ፣ ከም መንግስቲ ነዚ ፖለቲካዊ ብድሆ ሓላፍነታዊ ምላሽ ክህበሉ ከምዝግባእ ምጥቃስን እዩ። ነዞም ሰለስተ ሓይልታት ከምዘየለዉ ጌሩ፣ ብደገፍቱ ኣቢሉ ወፍሪ ፀለመ እንተካየደን፣ ብመግለፂታት ጥራይ “ዓዲ ኣማን” እዩ ኢሉ እንተቐፂሉ ግን ቁም ነገር ከይገበረ ዕድምኡ ክውዳእ ይኽእል እዩ። ናቱስ ከምናቱ፣ እቲ ህዝቢ ዝተፀበዮ ለውጢ ተጨውዩ፣ ትግራይ ተመሊሳ ናብ ደልሃመት ከይትኣቱ ስለዘተሓሳስበኒ እዩ።

እቶም ሰለስተ ተፃባእቲ ሓይልታት ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም።

1- ቀዳማይ ሓይሊ ገና ንገና እቲ ብዓል ሓደራ ስልጣን ምስተረከበ ጀሚሩ ውድቀቱ ዝተመነየ ሓይሊ እዩ፣ እዚ ሓይሊ ብፍሉይ ንምልሰት ህወሓት ዝምነ መሓውሩ ዘርጊሑ ቅቡልነቱ ክሽርሸር ናይ ሚድያ ወፍሪ ዝገብር፣ ኣብ በረኻ ንዝንቃሳቐስ ሎጂስቲካዊ ደገፍ ዝህብ ብዋናነት ነቲ ዝነበረ ስርዓት ዝድግፍ እዩ። ብጊሓቱ ብምስለኔ ኣይንምራሕን ኢሉ ዝሓንገደ፤ ንፅምዶን ሓይሊ ትሕብብር ንህልውና ዝፅውዖኦ ሰልፍታት ብምስታፍ ድጋፍ ኣብ ምሃብ ዝርከብ ሓይሊ እዩ። እዚ ሓይሊ እዚ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ስልጣን ስለዝነበረ ኣነ “እንተሞይተ ዳንዴር ኣይትብቆል” ብዝብል ህዝቢ ብድሕሪኡ ከይቀስን ኢሉ እውን ክዳናገር ለይትን ቀትርን ዝሰርሕ ሓይሊ እዩ።

2- እቲ ኻልኣይ ሓይሊ ሰፊሕ ማ/ሰብ ህዝብና ዘካተተ ኾይኑ ነዚ ለውጢ ክመፅእ ለይትን ቀትርን ዝሰረሐ፣ ርኡይ ለውጢ ክመፅእ ዋጋ ዝኸፈለ፣ ምናልባት እውን ህወሓት ዝተሳዓረ ፓለቲካሊ እምበር ብመሳርያ (militarily) ኣይኮነን ኢሉ ዝኣምን ሓይሊ እዩ። ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣሰራርሓን ኣካይዳን እቲ በዓል ሓደራ ምምዳር ስለዘይጠዓሞ ተቓውምኡ እንዳስመዐ ዝመፅእ ዘሎ ሓይሊ እዩ። ሕቶታት ህዝቢ ዘይምልስ፣ ለውጢ ተጨውዩ፣ ንዓና ዘግለለ ለውጢ ዘላቒ ሰላም (lasting peace) ከምፅእ ኣይክእልን ብዝብል ተጠሊመ፣ ተረሲዐ ዝበለ ሓይሊ እዩ። ብፍላይ ነቲ ኣጋጣሚ ተበሊፁ ብልፅግና ዝገብሮ ዘሎ ምደባ መሰረታዊ ጌጋ ከምዘለዎ ዝገልፅ ሓይሊ እዩ። ሓደ ናይ ተቓውሞ መንገዱ ድማ ንዶ/ር ሽሻይ ብኣውራጃውነት ምኽሳስ እዩ። ገለ ኣባላት እዚ ለውጢ እንተዋሓደ ካውንስል ክጣየሽ ዝምነዩ ኣለዉ። ብውሕድ ንመረፃ ንምድላው ምስዞም ሓይልታት ክዛተ ነይርዎ ኢለ ይኣምን። እንተዘይኮይኑ ግና ናይ ባንክን ታንክን ዝሓዘ ብልፅግና ናይ ጨረባ ምርጫ ገይሩ ስልጣኑ ከደላድል እዩ ዝሓስብ ዘሎ ኢሎም በቲ ምምሕዳር ኣቢሎም ንብልፅግና ዝቃወሙ እዮም።

3- እቲ ሳልሳይ ሓይሊ ብድፍረት ተናቢቡ ዝሰርሕ ልሂቅ ዝበዝሖ ብኽንደይ መስዋእቲ ዝተረኸበ ለውጢ ምስ ስትራተጂክ ራእዩ ስለዘይራኸብ “ኩሎም ሓደ እዮም” ኢሉ እቲ ብዓል ሓደራ ምምሕዳር ፖለቲካል ቅቡልነቱ (legitimacy) ክስእን ዝደሊ ዕቡይ ሓይሊ ኣሎ። ቀንዲ ምኽንያቱ ድማ ከም ዕላማ ሃገረ ትግራይ ስለዝምነ እዚ ለውጢ የዐንቅፈኒ እዩ ኢሉ ዝሙግት ሓይሊ እዩ። ምስ ስልታዊ ኣካይድኡ ስለዘይቃዶ ብፌደራል ዝተጣየሸ ብዓል ሓደራ ምምሕዳር ኣይናተይን ኢሉ ዝነፀጎ ሓይሊ እዩ። ዳርጋ ዝበዝሕ ኣብ ውዳበ ዘየለ ወይ ኮሪዩ ዝወፀ ክፋል ልሂቅ እዩ። ሃገረ ትግራይ ከምባህጊ ፀገም የብሉን። ይኹን እምበር ብዘይ ራእይ ስለዝጏዓዝ፣ ኢትዮዽያ ትበሃል ዓዲ ከይፈረሰት ትግራይ ትበሃል ሃገር ትህነፅ ስለ ዘይመስሎ ብዝኾነ መንገዲ ነዚ ለውጢ ከቕበሎ ኣይደልን። በዚ ምኽንያት ነቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ኢ-ትግራዋይ (alien) ገይሩ ክቕረፅ ዝደሊሓይሊ እዩ።

ንምጥቕላል፣ እዞም ሰለስተ ሓይልታት ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ድልየትን ዕላማን እኳ እንተሃለዎም፣ ነናቶም ማሕበራዊ መሰረትን ደገፍትን ከምዘለዎም ክንዝንግዕ የብልናን። እቲ ብዓል ሓደራ ምምሕዳር ዕማሙ ነዞም ሓይልታት ምስዓር ወይ ንነፍሲ ወከፎም ምሕጓስ ዘይኮነስ፣ ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ምግልጋልን መሰረታዊ ሕቶታቱ ምምላስን እዩ። እዚ ግን ነቶም ዝቃወምዎ ከምዘየለዉ ጌርካ ዝፍፀም ኣይኮነን። እንተወሓደ ንዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ሲቪክ ማሕበራትን ዘሳትፍ ኣማኻሪ ካውንስል ብምጥያሽ ንመፃኢ መረፃን ዘላቒ ሰላምን ዝሕግዝ መድረኽ ክፈጥር ይኽእል። እዚ ስልጣን ምምቕራሕ ዘይኮነስ ንህዝቢ ዝውክል ውሳነ ንምውሳን ዝሕግዝ መንገዲ እዩ።

ኣብ መወዳእታ፣ እቲ ምምሕዳር ካብ ዝሓለፉ ምምሕዳራት ዝፍለየሉ ብመግለፂታቱ ዘይኮነስ ብተግባሩ ክኸውን ኣለዎ። ንተቓወምቲ ምውቃስ ካብ ሕቶታት ህዝቢ ኣየምልጥን፤ ንኹሉ ምሕጓስ ድማ ኣይከኣልን። ስለዚ ገዝኡ ከፅሪ፣ ጌጋታቱ ክእርምን ንህዝቢ ተሓታቲ ክኸውንን ይግባእ። ትግራይ ካብ ዝሓለፈቶ መስዋእትን መከራን ብምብጋስ፣ ህዝባ ዝፅበዮ ናይ ስልጣን ተዋስኦ ዘይኮነስ ሰላም፣ ፍትሕን ተግባራዊ ለውጥን እዩ። ህዝቢ ትግራይ ብዝተዋህቦ ውሑድ ክዓግብ ዝግደድ ህዝቢ ኣይኮነን።

See something that needs correcting? Report a correction.

Discussion

Keep comments respectful and relevant. No threats, personal attacks, hate speech, spam, or private information. Comments are reviewed before publication.

Loading comments…

Checking discussion availability…