Understanding, Measuring, and Doing: Shattering the Information Blackout

ታይ ንግበር? መዋጽኦና እንታይ እዩ?ብጽሒተይ ኣብ እዋናዊ ኩነታት

By UMD Media

Published

6 min read

11 views
ታይ ንግበር? መዋጽኦና እንታይ እዩ?ብጽሒተይ ኣብ እዋናዊ ኩነታት

ተሾመ በየነ

እዚ ዘለናዮ ጊዜ፤ ዕድልን ፈተናን ሒዙ መጺሎ፡፡ ክነበላሽዎን ክንጥቀመሉን ኣብ ኢድና እዩ፡፡ ትግራይን ተጋሩን ከምዚ ሕዚ ግዜ ተፈቲና ኣይንፈልጥን ንኸውን፡፡ ፈተና ግና መናብርትና እዩ፡፡ እቲ ናይ ዘበናት ጌጋታት ተኣኻኺቡ ኸቢድ ኪሳራ ከኽፍለና ስለዝጀመረ ካብ ካልእ ጊዘ ንላዕሊ ክንረባረብ ኣለና፤ ወለዶና ምእንቲ ክቕጽል፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን፤ ሞት፤ ሕማም፤ ጥምየት፤ ስደት፤ ተስፋ ምቑራጽ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ ዘጸላለየ ሓደጋ ደርቂን ብርሰትን ኣሎ፡፡

እሞ ታይ ንግበር? ፍታሕና እንታይ ይኹን?

ብሓጺሩን ከም ዝተርኣየንን ከም ዝስዕብ ብሰለስተ ኸፊለ ኣቕሪበዮ ኣሎኹ፡፡

ነቲ ሽግርን ምኽንያቱን ምዝርዛር ኣድላያይ ኣይኮነን፡፡ ምእንቲ ኣብ መዋጽእ ክነድህብ፡፡ ብዝኾነ ግና ነቲ ናይ ባይታ ኽውንነት ንቐደም ነቐምጥ፡፡ ካብተን ክውን ሓቅታት እዘን ዝስዕባ ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ፡፡

1) ህወሓት፤ ንስልጣን ብሓይሊ ብሒቱ፤ ኣነ እንተዘይበሊዐዮ ይበተን፤ ብዝብል ኣካይዳ፤ ንመንእሰይ ትግራይ ብግፋ ኣውፊሩ ተዋጊኡ፡፡ ኮይኑ፡ እቲ ውግእ ዝቐንዖ ኣይመስልን፤ ህዝባዊ ሰረት ስለዘይብሉ፡፡ ብዝኾነ፡ ህዝብና ካብ ኲናት ዝወልዶ ኩሉ መዳያዊ ብርሰት ዝድሓነ ይመስል፡፡ ሓደ ኣዎንታ እዩ እዚ፡፡

2) ነታ ጥይት መን ፈለማ ተኮሰ ብዘየገድስ፤ ክልቲኦም ተጻባዕቲ ወገና ክደላለዩ እዮም ከሪሞም፤ ንሰራዊት ፕሮፓጋዳኦም ንቕድሚት ሰዲዶም፡፡ መራሕቲ ህወሓት ምስ ወትሃደራቶም ኮይኖም ብቕሉዕ ክፍክሩ ተሰሚዖም፡ ‘’ኣብ ልዕሊ መቓብር ብልጽግና’’ ብዝብል ጭርሖ፡፡ ናይ 70ኣታት ዝኣረገ ጭርሖ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ከም ሸቶ እውን ካብ ግቡእ ንላዕሊ ዝተወጠጠ እዩ፡፡

3) ውግእ ከይመጽእ ብዲፕሎማሲ ምክልኻልን ኣውያትካ ዓለምን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክሰምዐልካ ኣብ ክንዲ ምግባር፤ ‘’ ‘ተዳሊና ኢና’፤ ‘ከም ቀደም ኣይተኸበብናን’፤ ‘መሓዙት ኣለውና’ ዝብሉ ዘይክውናት መልዓሊ ሒዞም ንህዝቢ ናብ ባሕሪ ክወስዱ ተሃንዲዶም ተራእዮም፡፡ ኣብ ክንዲ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያን ትካላት ዓለም ኮይንካ ምስራሕ፤ ምስ ጃንዳታት ብሄርተኛ ፓለቲከተኛታት ተሰሊፎም ወይ ኣሰሊፎም ዘየዋጽእ ፓለቲካ ተኸቲሎም፡፡

4) ህዝቢ ትግራይ ንህወሓት ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ዕድል ሂብዋ እዩ፡፡ ምናልባሽ እውን ኣምሊኽዋ እዩ ክበሃል ይከኣል፡፡ ኮይኑ ግና፡ ኣይኮነን ዶ ድልየቱ ክተማልእ፤ ሒዛቶ ናብ ገድል ምእታው ካብ እትጅምር ጸኒሓ ኣላ፡፡ ናይ ሎሚ ህወሓት ናይ ውሑዳት ሰባት ሽውሓት ስልጣን ክተረጋግጽ እትሰርሕ ብልይቲ ጉጅል እያ ኢልካ እውን ምድምዳም ዝከኣል እዩ፡፡

5) ህዝቢ ትግራይ ሓድነቱ ክህሊ፤ ከም ህዝቢ ዝመጾ ወይ ከዓ ክገጥሞ ንዝኽእል ጸገም ኣብ ክንዲ ክዳሎ ምግባር፤ ከፋፋላይ ኣጀንዳ እናፈጠሩ፤ ሓድነት ክልሕልሕን ዳርጋ ክፈርስን ገይሮም፡፡ ብፍላይ ከዓ፤ እቲ ሓይሊን ማእገርን ኩሉ ትግራዋይ ተገይሩ ዝተወስደ ቲ ዲ ኤፍ፤ ናይ ጃንዳ ፓለቲክኦም መሳርሒ ብምግባሮምን ምስቲ ቀዋሚ ጸላኢ ህዝቢ ትግራይ ህግደፍ ምሕዝነት ብምፍጣሮምን ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘይግባእ ኽፍፍል ፈጢሮም፡፡

6) ብውትህድርና ትግራይ ተሳዒራ ዝብል ኣመር ፈጺሙ ክውሰድ ኣይብሉን፡፡ ትግራይን ትግራዋይን ኣይሰዓርን፡፡ ተሳዒሩ ዘሎ ህወሓትን ጄኔራላቱን እዮም፡፡ ካብ ህወሓትን ጄኔራላትን ከዓ ትግራይ ትዓቢ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ይዓቢ፡፡

ኣብ ሓጺር ጊዜ (ካብ ሎሚ እስካዕ 3 ወርሒ)

ስለዚ፡ ኣብ ሓጺር ጊዜ (ጊዜ ስለዘየለ)፡ ካብ ሎሚ እስካዕ 3 ወርሒ ታይ ይገበር?

1) ሃዋህው ርግዓትን ሰላምን ክመጽእ እንተኾይኑ፡ ኣብ ዘይጭቡጥን ‘’መጹ መጹ’’ ወረን ወዲ ወረን ዝተምሰረተ ሓላኻይን መድከማይን ከይዲ ብቕልጡፍ ክስበር ኣለዎ፡፡ ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ዘሎ ሃሊዩ፤ ንናይ ህወሓትን ሰዓብትን ‘’ክንምለስ ኢና፤ ካልእ ፕላን (ፕላን ቢ) ኣለና’’ ዝብል ምስምስ እዝኒ ክህቦ የብሉን፡፡ ወትሃደራዊ ኩነታት መሊእና ከይንዛረበሉ ንኽእል፡፡ ብፓለቲካ ቅቡልነት መዳዩ ግና፡ ህወሓት ሕሩጫ ምንጋፍ ካብ እትጅምር ጸኒሓ እያ፡፡ ውትህድርና ድማ ብ ኣውርኡ ድጓሕታ ፓለቲካ እዩ፡፡ ነዚ ምር ዳ እ ግድን እዩ፡፡ ፓለቲካ ኣብ ዘይብሉ፤ ንውትህድርና ቦታ ምሃብ ክስረት እዩ፡፡ ንረብሓ ደው ምስዘይብል ጉጅለ ጠጠው ኢልካ ክቡር ህይወት ምስኣን መናስሒ፤ መጣዓሲ ከንቱ እዩ፡፡

2) እቲ ናብ ትግራይ ይኣቲ ዘሎ ሓይልታት ሰላም ትግራይ ኸቢድ ገዛ እዮ ኣለዎ፤ ዕዩ ክፍጽም ከዓ ጸቕጢ ንግበር፡

ሀ) ልዕሊ ኩሉ ሓይሊ ሰላም ኣብ ድሕንነት ህዝቢ (ሴፍቲ) ከድህብ ጸቕጢ ይገበር፡፡ ህዝቢ ብናይ ጸጥታ ዋህዮታት እናወደብካ፤ ንባዕሉ፤ ገዝኡን ንብረቱን ክሕሊ ክግበር ኣለዎ፡፡

ለ) ትሕዞ ትሰዶ ህቦብላ ኣየድልን፡፡ ሕነ ምፍዳይ ዝበሃል ቦታ ክህልዎ ኣይብሉን፡፡ ትግራይ ብምልእታ እዩ መዓታ ወሪድዋ፡፡ ኩሉ ሰብ ተጋጊየ ነይረ ክብልን መንገዲ ሰላምን ከናዲ ዕድል ክረክብ፤ ንኩሉ ዝኸውን ሓፈሻዊ ምሕረት ምሃብ የድሊ፡፡

ሐ) ገበን፤ ጉሕለት፤ ስርቂ ዝፈጸመ ጉጅለ ይኹን ውልቀሰብ ብሕጊ ክሕተት ኣለዎ፡፡ እዚ ድማ ኣብ ዝቐልጠፈ ክኸውን ግድን እዩ፡፡ እዚ እንተ ምንታይ፤ ፓለቲካን ገበን ንምፍልላይ ም እንታን ክከኣል፡፡ ብጉልባብ ፓለቲካ ሰባት ከየምልጡን፤ ንቀጻሊ ወሳናይ ትምህርቲ ንወለዶ ንምግዳፍ፡፡

ሐ) ብልጽግና ብቕልጡፍ ተኹሲ ድሮን ደው ከብል ኣለዎ፡፡ ኣብ ትግራይ ብዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ዝገብሮ ተኹሲ ድሮን ደው ከብል ኣለው፡፡ ኣብ ልዕሊ ኡ፡ ካብ ሓደ ሰላማዊ ሰብ ክመውት፤ ዓሰርተ ጸላዕቲ እንተምልጡ ይሐይሽ፡፡ ብሓጺሩ፡ ኣባላት ሓይሊ ሰላም ኣብ ልዕሊ መጥቃዕቲ ድሮን ተቓውሞኦም ከስምዑ ይግባእ፡፡ እንተዘይኮይኑ፤ ዕቡያት ሰዓርቲ ወይ ድማ ኮራኹር ሓያል እዩ ክበሃሉ፡፡

መ) መራሕቲ ሓይሊ ሰላም፤ ንህዝቢ ብዝቐልጠፈ እናኣከቡ ምትእምማን ክፈጥሩሉ ይግባእ፡፡

ሰ) ግልጋሎት ህዝቢ ብዝቐልጠፈ ክምለሱ ኣለዎም፡፡ መንግስቲ ብልጽግና ንህዝቢ ትግራይ ኣብዘይ ኣበስኡ ቐጽዒዎ እዩ፡፡ ነዳዲ፤ ባንኪ፤ ደመወዝ፤ ሕክምና፤ በጀት ዓጺፉ፡፡ ነዚኣ ሓይሊ ሰላምን ካልኦት ምስኦም ዝሰርሑ ሓይልታትን ንህዝቢ ትግራይ ከጎናጽፍዎ ኣለዎም፡፡

3) እቲ ተበቲኑ ዘሎ ሰራዊት ቲ ዲ ኤፍ፤ እቶም መናእሰይ ብዙሕ ዓጸቦ ዝርኣዩ ስለዝኾኑ፤ ናብ ንቡር ናብራ ክምለሱ ዘለዎም ሕዚ እዩ፡፡ በቲ ዝሸመትዎ ፎኪስን ረዚንን ዓቕምታት ንቕድሚት ንትግራይ ካብኡ ሓሊፉ ንኢትዮጵያ ዝጠቕሙ ስለዝኾኑ ክንክን የድልዮም፤ ሓንጎፋይ ኢልካ ምቕባሎም እውን ግድን ይኸውን፡፡ እንተድኣ ሃገራዊ/ብሄራዊ ሕውየት ክቀላጠፍ ኮይኑ፤ እቲ ሓደ ክግበር ዘለዎ እዚ እዩ፡፡

4) እቲ ካብ ትግራይ ወጺኡ ውሑስ ቦታ ኢሉ (ብተነጻጻሪ) ኣብ ዝሓሰቦ ናብ ኣዲስ ኣበባ ይኹን ፎቆድኡ ዝተበተነ ስድራ ቤታት ናብ ዓዱ ክምለስ ኩነታት ከመቻቸው ኣለዎ፡፡

5) እቲ ተኸፋፊሉ ዘሎ ትግራዋይ ናብ ሓደ እኩብ ዓቕሚ ክምለስ፤ ኸፋፈልቲ ኣጀንታታት ብምልኦም ብድፈረት ክቕረቡን ክፍትሑን ኣለዎም፡፡ ካብ ኩሉ ንላዕሊ እቲ ዝምስረት መንግስቲ ይኹን እቲ ሓይሊ ሰላም ብተግባር ናይ ኩሉ ንኹሉ ዝሰርሕ ምኻኑን ከርኢ ኣለዎ፤ ብጭቡጥ መርኣታያት፡፡

ኣብ ማእኸላይ ጊዜ (ካብ 3 እስካዕ 6 ወርሒ)

1) ውዕል ፕሪቶሪያ ብደም ደቂ ህዝቢ ዝተረኽበ ዓወት እዩ፡፡ ውዕል ፕሪቶሪያ ናብ ዝነበሮ ክምለስን ክትግበርን እንተኽኢሉ ትግራይ ትርባሕ፡፡ ዓለም ኣፍልጦ ዝሃቦ ስልጡን ስምምዕ ስለዝኾነ፤ ዋላ ንትግራይ ዝተማልአ ጥቕሚ ኣይሃብ ክምለስ ይግባእ፡፡ ብኡ ኣቢልካ ንግዝኣታት ትግራይ ናብ ቦትኡ ምምላስን፤ ተመዛበልቲ ውጽዓት ነበርቲ ከባቢታት ምዕራብ፤ ምብራቕን ካልኦት ከባቢታትን ናብ መረበቶም ብውሕስ መገዲ ክምለሱ ግድን እዩ፡፡ ኣብዚ ትግራዋይ ብምልኡነት ይስራሕ፡፡ መንግስቲ ኣቢይ ኣብዚ እዋን እዚ ዋላ ሓንቲ መመኽነይታ የብሉን፡፡

2) ብውዕል ፕሪቶርያ መሰረት ሓቓፋይ መንግስቲ ክምስረት ኣለዎ፡፡ ንኩሉ ኣባል ማሕበረሰብ ዝውክል፤ ግን ድማ ዝዓበየ ናይ ምፍጻም ተኽእሎ ዘለዎ መንግስቲ (ቴክኖክራሲ ዘለዎ) ክጣየሽ ኣለዎ፡፡ ወዓል ሕደር ብዘይብሉ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ዝሓስብሉ ደቁ ናብ መሪሕነት ክመጹ ጊዚኡ ሕዚ እዩ፡፡

3) ብኤርትራ ዝተትሓዙ ልኡላዊ መሬታት ትግራይ (ኢትዮጵያ) ክምለሱ ኣለዎም፡፡ ታሪኻዊ ቦታታት ኽፋል ኢሮፕ፤ እገላን ኣድያቦን ኣብ ትሕቲ ኤርትራ ኣለዉ፡፡ መሬታት ዓዲ ኣቦ እዮም እሞ ናብ ትግራዮም ይመለሱ፡፡ ኣብዚ ምስ መንግስቲ ብልጽግና እውን እንተኾነ ክንሰርሕ ኣለና፡፡

4) እቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝተዓጸፉ ፕሮጅክታት ትግራይ ክጅመሩ ኣለዎም፡፡ ምስኡ ተታሓሑዙ፤ ንምሕዋይ ዝሕግዙ መደባት ተሓንጺጾም ክትግበሩ አለዎም፡፡ ብፍላይ ንሰብ ኣዊ ሕውየትን ን እግሪ ምትካልን ዝሕግዙ ፕሮጀክታት ብዘይ ወዓል ሕደር ተሓንጺጾም ክትግበሩ ኣለዎም፡፡

5) ህዝቢ ትግራይ ናይ ጸጥታ ውሕስነት ካብ ዝስእን ጸኒሑ እዩ፡፡ ካብ እተን ዝዓግበለን ጉዳያት ሓንቲ ዝነበረት ውዒልካ ብሰላም ምእታው ካብ ዝስእና ጸኒሑ ኣሎ፡፡ ነዚኣ ንምምላስን ኢሉ እውን ብዝበለጸ ንምርግጋጽን፤ ዘይሻራዊን ጥንኩርን ሓይሊ ጸጥታ (ሓይሊ ፓሊስ) ክውደብ ኣለዎ፤ ስራሕ እውን ብዝሃጸጸ ክጅምር ኣለዎ፡፡

ኣብ ዝነወሐ ጊዜ (1 እስካብ 1.5 ዓመት)

1) ምርጫ ምግባር ዘይሕለፍ እዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ፤ ጨና ዲሞክራሲ እስካዕ ሕዚ ኣየጠዓመን፡፡ ንዳርጋ 40 ዓመት፤ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሓይሊ፤ ሓደ ኣተሓሳስባ ተቖሪኑ እዩ ጸኒሑ፡፡ ካብዚ ክላቐቅ ኣለዎ፡፡ ተሓታትነት ዘለዎ ንህዝቢ ተጸዋዒ ዝኾነ መንግስቲ ብፍቓዱ ክምስርት ኣለዎ፡፡ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘበን ስለዘለና፡፡ ንሱ እዩ ዓርሰ ውሳነ ማለት፤ ካልእ ትርጉም የብሉን፡፡ ናጻ ምርጫ፤ ፍትሒ፤ ተሕታትነት! ኣኺሉ!፡፡ ዋላ እውን እቲ ናጻ ትግራይ ዝብል ድምጺ ብግቡእ ዝተኣናገደሉ ሃዋህው ፓለቲካ እዩ ዘድሊ፡፡ ፓለቲካና ንሕሉፍ ዝረግም ዘይኮነስ ካብ ሕሉፍ ዝመሃር፤ ንቕድሚት ዝጥምት እንተዘይኮይኑ ክንከስር ኢና፡፡ ኣብሕሉፍ፡ ብታይ ገደሸኒ ይኹን፤ ንህወሓት ብምምላኽ ወይ እውን ብፍርሒ ንነብሱ ኣግሊሉ ዝጸንሐ ምሁር ንህዝቡ ክክሕስ ክሰርሕ ኣለዎ፡፡

2) ኣብቲ ሃገር ዘሎና ተሳትፎ ከም መሰልን ግቡእን ክምለስ ኣለዎ፡፡ እኳ ደ ኣስ ከም ሓተቲ፤ ከም ይግብአና በሃልቲ፤ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ እንከይተወጠጥና፡፡ ትግራይ ኣብ ሃገራዊ ፓርላማ፤ ኣብ ሃገራዊ ኣፈጻሚ ኣካልን ሃገራዊ ዝንተዋን ግቡኣ ክትረክብን ክትፍጽምን ኩሉ ቅቡል ገይሩ ክለዓል ኣለዎ፡፡ ኣጀንዳታትና ብትዕግስቲ ክንፍጽም ይግብኣና፡፡

3) ጆኖሳይድ ዝተፈጸመና ህዝቢ ንምዃና ዘማትእ ኣይኮነን፡ እቲ ኣጀንዳ እውን ተቐቢሩ ክተርፍ ፈጺሙ ኣይግብኦን፡፡ ግና በዓልናይ ክንገብረሉ ኣሎና፡፡ ነዚ ዝጣበቑን ከም ዋኒን ዝሕዙን ትካላትን ማሕበራትን ሲቪል በዓልናይነት ክንህቦም ይግባእ፡፡ ምስ ዓለም ለኻዊ ትካላትን ምሁራትን ብምውዳድ ክሰርሑ ሓደራ ንበሎም፡፡ ነዚ ስራሕ ኣውት ሶርስ ክንገብሮ ኣሎና ከም ምባል፡፡ ኣብ ዙርያ ተሓታትነት ጆኖሳይድ ምስራሕ ንስሩዕ መንግስቲ ዝጥዕም ስራሕ ስለዘይኮነ፡፡ እስካዕ ኣሽዑ፤ ንኩሎም መርትዖታት ጆኖሳይድ ኣሪና ኣስተኻኺልና ክነቕምጥን ክንስንድን፤ ኣብ ውሑስ ቦታ ክንሰትርን ይግብአና፡፡

4) ምስ ናይ ሎሚስ ውድቀትም ሕምቀትን መራሕቲ ህወሓት ተኣሳሲሩ ታሪኽና ብኡ ኣቢሉ ከይበሊ ጥንቃቐ ምግባር ብስሩ ወለም ዘለም ዘየድልዮ ጉዳይ እዩ፡፡ ታሪኽን ጅግንነትን ትግራዋይ፤ ታሪኽ ህወሓት በዞም ናይ ሎሚ ጥፉኣት ክምዘንን ንድሕሪት ከይድካ ክብለልን ዘለዎ ኣይኮነን እሞ፡፡

5) ኣብ ትግራይ ተጋፊሑ ዘሎ ዘስካሕክሕ ሰፊሕ ግዕዝይናን ቅባልን (ጉቦ) ብዝቐልጠፍ ክንቃለሶን ክነስተኽኽሎን ይግባእ፡፡ እንተዘይኮይኑ፤ ኣብ ዘይምለሰሉ ብርኪ ምብጽሑ ኣየጠራጥርን፡፡ ቀንዲ ውራይ መንግስቲ፤ ትካላት ሲቪልን እቲ ምሁርን ክኸውን ድማ እቲ ጊዜ ይጠልብ፡፡

ኣብ መወዳእታ፡ ፍትሒ ብህወሓት ተኮኪቦም ንዝተወስዱን ኣበይ ከም ዘለዉ ንዘይፍለጡ ወገናት፡ ካብ ነበር ፕሬዚዳንት እስካዕ መራሕቲ ሰራዊት ነበር፡፡ ኩለና ጠራዕ ኢልና ንጸውዕ!

See something that needs correcting? Report a correction.

Discussion

Keep comments respectful and relevant. No threats, personal attacks, hate speech, spam, or private information. Comments are reviewed before publication.

Loading comments…

Checking discussion availability…