Understanding, Measuring, and Doing: Shattering the Information Blackout

ኢሳያስ ኣፈወርቂን ዘይተወደአ ሕልሙን!!

By UMD Media / Oct 6, 2026 / 3 min read

ኢሳያስ ኣፈወርቂን ዘይተወደአ ሕልሙን!!

ኤርሚያስ ኣማረ

ኤርትራውያን ባህጎም ባዕሎም ክውስኑ ናይ ኩሉ ሻብ ትምኒተይ እዩ። ይኹን እምበር፣ ከም ሓደ ትግራዋይ ኣብ ጉዳይ ፕረዚደንት ኢሳያስ ዘለኒ ስኽፍታ ክገልፅ እፈትው። ኢሳያስ ንኤርትራውያን ብዓል ውዕለቶም ምዃኑ ዘይካሓድ ሓቂ እዩ፤ ኣብ ምምስራት ሃገሮም ዝተፃወቶ ተራ ቀሊል ኣይኮነን። እዚ ግን፣ ኣብዚ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ንኽልቲኦም ህዝብታት ጠንቂ ዘይምርግጋእ ኮይኑ ምህላዉ ኣይቅይሮን። ኢሳያስ እንተልዩ ይትረፍ ኣብ ትግራይ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እውን ዘላቒ ሰላም ክህሉ ከቢድ እዩ። ኢትዮጵያ እውን ምስ ነበዐት እያ ክትነብር። ምኽንያቱ ኢሳያስ ንስልጣኑን ስርዓቱን ንምዕቃብ ክብል ብቐሊሉ ዘይቕየሩ ታክቲካውን ስትራተጂካውን ዕላማታት ኣለዉዎ።

ትግራይ ተዳኺማ ምርኣይ ሓደ ካብቶም ስትራተጂካዊ ሕልምታቱ እዩ። እነሆ ድማ፣ ተኾሊፉ ዝነበረ TDF ናይ ምፍራስ ሕልሙ፣ ሳላ ደናቁር መራሕቲ ትግራይ፣ ብኢድ ወነኖም ናብ መፃወድይኡ ኣትዮም ክፈርስ ገይሮሞ። እቲ ዝመስል ሰራዊት፣ መሳርሒ ዝጠስጠሰ ፖለቲኮ-ወታደራዊ ሓይሊ ክኸውን ኣይምተገብኦን።

ኢሳያስ ዋላ ታክቲካዊ ፅምዶ ይግበር፣ ቀንዲ ዕላምኡ ድኽምቲን submissiveን ትግራይ ምርኣይ እዩ ነይሩ። ግን ሕዚ እውን እቲ ሕልሙ ከምቲ ዝደለዮ ዝተፈፀመ ኣይመስልን። ኣብ ክንዲ ድኽምቲን ተዓዛዚትን ትግራይ፣ TPF ዝብል ሓዱሽ ሓይሊ ተፈጢሩ ኣሎ። እዚ ሓይሊ ናበይ ከምዝኸይድን ንትግራይ እንታይ ከምዘምፅእን ግዜ ክምልሶ እዩ።

ካልኣይን ኣገዳሲን ስርሑ ድማ፣ ከም ኣረዳድኣይ፣ ምስ ግብፂ፣ ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን ዘለዎ ዞባዊ ምትእስሳር ተጠቒሙ ፅልዋ ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምድኻም እዩ። ነዚ ንምስኻዕ ንውሽጣዊ ፖለቲካዊ ፍልልያት ኢትዮጵያ ተጠቒሙ፣ ነንሕድሕድና ክንባላዕ ዝገብር ኩነታት ተፈጢሩ። ኢትዮጵያውያን ኣብ ልዕሌና ፅልኣት ኣሕዲሮም ኣብ ልዕሌና ክዘምቱ ዝገበረ ፖለቲካዊ ኩነታት እውን ተፈጢሩ። ግና፣ ብጅግንነትን ፅንዓትን ህዝቢ ትግራይ፣ እቲ ዝተደለየ ውፅኢት ሙሉእ ብሙሉእ ኣይተረኽበን።

ሕዚ ድማ ካልእ ምዕራፍ ተኸፊቱ ኣሎ። ህወሓት ብግጉይ ስልሒት ናብ ኩናት ክኣቱን ካብ ደገ ሓገዝ ክረክብን ዝገበረ ዞባዊ ምትእስሳር ከምዘሎ ዝቐርቡ ክስታት ኣለዉ። ካብ ኣዘርባጃን ዝተዓደገ መሳርሒ ብሓገዝ ግብፂ ከምዝተረኽበ ዝብሉ ሓበሬታታት እውን ይዝርግሑ ኣለዉ። እዞም ጉዳያት ግን ብናፃ ምንጭታት ክረጋገፁ ዘለዎም እዮም። እቲ ዝዓበየ ጉዳይ ግን፣ ህወሓት ኩነታት ሃገርናን ዞባናን ብትኽክል ምንባብ ካብዝኣብዮም ፀኒሖም ምዃኖም እዩ።

እንዳ ደብረፅዮን ነዚ ውግእ ክግምግምዎ ከለዉ፣ ድኽነትን ስራሕ ስእነትን ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምዘፋላለዮ፣ ፋኖ ድማ ዳርጋ ሙሉእ ኣምሓራ ክቆፃፀር ከምዝኽእል ገምጊሞም። Alliance for Survival ዝብል እኽብካብ ልሂቃን እውን ነዚ ኩናት ኣብ ክልተ ሰሙን ከምዝውድኦ እዩ ኣሚቱ ዝነበረ።

ግን ፈደራል መንግስቲ ብሳይበር ቴክኖሎጂን ብኻልእ ወታደራዊ ዓቕምን ክንደይ ከምዝተዳለወ ብግቡእ ዝገምገሙ ኣይመስሉን። እቲ ከቢድ ናብራ ህዝቢ ብቐጥታ ናብ ፖለቲካዊ ለውጢ ከምዘይትርጎም እውን ኣብ ግምት ዘእተዉዎ ኣይመስልን። ብኣውርኡ ድማ፣ እቲ ሰራሒ ቅያ ህዝቢ ትግራይ ከመይ ከምዝፈንፈኖም ኣይፈለጡን። ኣብ መወዳእታ፣ እታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወሳኒ ተራ እትፃወት ኣሜሪካ ነቲ ኩነታት ብኸመይ ከምእትርእዮ እውን ብግቡእ ዝበረሀሎም ኣይመስልን።

ኣሜሪካ ካብ ኣልዐልኩ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተርእዮ ዘላ ድልየት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ይርከብ። እቲ ምሕዝነት፣ ካብቲ ብኢህወዴግ ግዜ ብዝያዳ ኣብ ሴኩሪቲ ዘተኮረ ምሕዝነት፣ ናብ ሰፊሕ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ክዓቢ ዝኽእል ኩነታት ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ክህልዉ ዝኽእሉ Rare Earth Elements (REE)ን ካልኦት መዓድናትን እውን ኣብዚ ሓዱሽ ኢኮኖሚያዊ ተገዳስነት ቦታ ክህልዎም ይኽእል።

እዚ ዓይነት ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ግን ዞባዊን ቀጠናዊን ህድኣት ይደሊ። ኣሜሪካ እውን ነዚ ንምርግጋፅ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝህሉ ወጥሪ ንምቕናስ ዲፕሎማሲያዊ ፅልዋኣ ክትጥቀም ትኽእል እያ።

እሞ ንሕናኸ ኣብዚ ዝህልወና ግደ እንታይ ክኸውን ኣለዎ?

ክሳብ ሓዲኡ ዝወልድ፣ ብጥበብ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ኮይንካ ንረብሓኻ ምቅላስ፤ ንኹሎም ግደ ኣካላት ዝውክል ሓዱሽ መሪሕነት ኣምፂእካ፣ ዳግመ ህንፀት እንዳወፈርካ ኢድ ኣታውነት ሻዕብያ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ምምካን። እዚ ግን ብሓዱሽ ኩናት ዘይኮነስ፣ ብውሽጣዊ ሓድነት፣ ብፖለቲካዊ ብስለትን ብንፁር ስትራተጂን ክኸውን ኣለዎ።

ተኻኻኢልካ ምንባር ብሕታዊ ሕርያ ኩላህና ክኸውን ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ንዘልኣለም ኣብ ፅልኢ ክነብሩ ዝተፈረዶም ህዝብታት ኣይኮኑን። ፖለቲካዊ ስርዓታትን መራሕትን ይመፁ ይኸዱ፤ እዞም ክልተ ህዝብታት ግን ጎረባብቲ ኮይኖም ክቕፅሉ እዮም።

ኢሳያስ ናይተን ምስ ሃገራዊ ረብሓና ዝፃብእ ዕላማ ዘለወን ዓድታት ሉኡኽ ካብ ምዃን ክቁጠብ ኣለዎ። እዚ እንተዘይኮይኑ፣ ሓዱሽ ዙር ግጭት ከይፍጠር ውሕስነት የለን። ስለዚ፣ ዕላማና ኢሳያስ ምስዓር ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኢሳያስ ወይ ካልእ መራሒ ብዝገብሮ ፖለቲካዊ ስልሒት እዞም ክልተ ህዝብታት ደጊሞም ናብ ኩናት ዘይኣትዉሉ መንገዲ ምፍጣር ክኸውን ኣለዎ።

ኣብ መወዳእታ ዘይተወደአ ሕልሚ ኢሳያስ ንሕና እንታይ ንገብር ብዝብል እዩ ክውሰን። ትግራይ ድኽምቲ፣ ዝተኸፋፈለትን ንደጋዊ ፅልዋ ዝተቓልዐትን እንተኾይና፣ እቲ ሕልሚ ክቕፅል እዩ። ትግራይ ግን ውሽጣዊ ሓድነታ እንተሓልያ፣ ፖለቲካዊ ብስለት እንተርእያ፣ ረብሓኣ ብጥበብ እንተኣነፂራ፣ እቲ ሕልሚ ሕልሚ ኮይኑ ክተርፍ እዩ።