ቅሉዕ ደብዳበ ናብ ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ
By UMD Media
Published
Last updated
2 min read
0 viewsሚያዝያ 21/2017
ክቡር ፕረዚደንት
ስብእናኻ ቁስሊ ናይ ምፍዋስ ክእለት፣ ንሆበብላታት ክተህድእ፣ ኣብ ውሽጢ ተቓወምትኻ ዘሎ ድሌት ከይተረፈ ብሰብኣውነት ዓይኒ ንኽትርኢ ዘኽእለካ ብርቂ ህያብ ዝሓዘ እዩ። ኣብዛ ብኲናት፣ ብክድዓትን፣ ክግመት ብዘይኸል ኪሳራን ዝተገርፈት ዓዲ ባህሪያዊ ድሌት ልብኻ ምርግጋፅ ስምረትን ዕርቅን ምዃኑ ብርተዐ እምበር ድኽመንት ኣይኮነን። ኮይኑ ግና እዘን ቀፂለን ዘለዋ ሓቅታት ፅን ኢልካ ክተዳምፀኒ ይሓትት፡፡
ኣብዚ ወቕቲ እዚ ሰላም ክህሉ ምድላይ ጥራሕ እኹል ኣይኮነን። እኳ ድኣስ ብመንገዲ ተባዕ ስጉምቲ፣ መረርቲ ውሳነታትን፣ ነቕ ዘይብል (Unwavering) መሪሕነትን ዝህነፅ ጉዳይ ምዃኑ ምርዳእ ወሳኒ እዩ። ፀላእቲ ትግራይ ህድኣት ኣይፅበዩን። ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘሎ ምፍልላይ ብስቕታ ኣይሓውን። ቁጥዐ መንእሰይ ብሕያዋይ መደረ ኣይዕገስን። ወሰንቲ ስጉምትታት ክትወስድ ታሪኽ ኣብ እትጥለበሉ እዋን ንኹሉ ወገን ክተሐጒስ እንተፈቲንካ፣ ፍርሒ ግርጭት ክሽንግለካ እንተፈቒድካ እመነኒ እትዕቅቦ ሓድነትን እትሕልዎ ሰላምን ኣይክህሉን ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ብውልቅኻ ክኸውን እትደልዮ መፃኢኻ እውን ክትስእኖ ኢኻ።
ክቡር ጀነራል ንስኻ ናብዚ ሓላፍነት እዚ ዝተመዘዝካ ክትመርሕ እምበር ምስ ኩነታት ከም ውሑጅ ክትፈስስ ኣይኮነን። ኣብ ናይ ውልቅኻ ተፈታውነትን ምቾትን ዋጋ ዘኽፍሉ ጉዳያት እውን ሓዊሱ ንዓዲ ኣቦኻን ዓዲ እኖኻን ክትብል ብንጡፍ ክትዋሳእ፣ ክትውስንን ዘላቒ ረብሓ ብሄርካ ክትከላኸልን ኣለካ። እዚ ክትገብር እንተለኻ ናይ ሰላም መንፈስካ ብምግዳፍ ዘይኮነስ ሓቀኛ ሰላም ክቡር መስዋእትነት ብዝጠልብ ቃልሲ ጥራሕ ዝረጋገፅ ፀጋ ምኽአኑ ብመማን እዩ። ሎሚ ህዝብኻ ናይ መንፈስ ፈዋሲ ጥራሕ ኣይኮነን ዝደሊ ዘሎ። ሓላዋይ (Guardian)፣ ሃናፂ፣ አሳጋሪ ከምኡ እውን ህልውናና ኣብ ሓደጋ ኣ እትዮም ዝኒሀው ብሄራዊ ሓደጋታት(ጉዳይ ምምላስ ተመዛበልቲ፣ ምርግጋፅ ሉኣላውንትናን ፀጥታዊ ውሕስነትናን፣ ዘረፋ ሃፍትናን ፍልሰትን ጠጠው ምባል)ብዘይውዓል ሕደር ዕልባት ክረኽቡ ዝውስን፣ ብፍቕሪ ብሄሩ ዝነደደን ንቑሕን ደፋርን መራሒ እዩ ዝጠልብ ዘሎ። ስለዝኾነ ኣብዛ ህሞት እዚኣ ኣይትደቅስ። ተልዓል። ተስፋን ህፁፅነትን ሰንቕካ ንትግራይ ዝምጥነላ መራሕ ኩን።
ካብ ፈታዊ ሰላም ብትብዓት
Editor’s Note: The opinions expressed in the articles published on UMD Media are solely those of the individual authors and do not necessarily reflect the views or opinions of the editorial team or UMD Media as an organization. The publication of any opinion piece does not imply endorsement or agreement by UMD Media. Readers are encouraged to critically evaluate the content and form their own conclusions. Leave your comments below. Send us your thoughts and reflections to umd.media.2020 at gmail dot com.
Subscribe to UMD Media channel. Join UMD Media Telegram Channel: https://t.me/UMDMedia
See something that needs correcting? Report a correction.
More from this section

ኢሳያስ ኣፈወርቂን ዘይተወደአ ሕልሙን!!
ኤርሚያስ ኣማረ ኤርትራውያን ባህጎም ባዕሎም ክውስኑ ናይ ኩሉ ሻብ ትምኒተይ እዩ። ይኹን እምበር፣ ከም ሓደ ትግራዋይ ኣብ ጉዳይ ፕረዚደንት ኢሳያስ
By UMD Media / Oct 6, 202617 views

Open Letter to All Tigrayans and Tigray-Affiliated Institutions Across the World
October 5, 2026 By a Concerned Tigrayan Background and Purpose The public advocacy by some actors for the establishment of
By UMD Media / Oct 4, 20262 views

Open Letter to the Tigray Peace Force: Now Earn the Name
Ermias A. For days, many Tegaru have condemned the Tigray Peace Force (TPF) for fighting alongside the federal government. Others
By UMD Media / Oct 3, 20263 views
Discussion
Keep comments respectful and relevant. No threats, personal attacks, hate speech, spam, or private information. Comments are reviewed before publication.
Loading comments…
Checking discussion availability…
