Understanding, Measuring, and Doing: Shattering the Information Blackout

ሕቶ ከይዲ ብሄራዊ ዕርቂ ኣብ ትግራይ

By UMD Media

Published

Last updated

3 min read

0 views

“ኣብ ትግራይ ናይ ብሄራዊ ዕርቂ መስርሕ ክፍፀም ግድን ዝገብሩ ፖለቲካዊ፣ ባህላውን ታሪኻውን ኩነታት ኣለው። ልዕሊ ኩሉ ተጋሩ ኣብ ሕድሕድና ይኹን ነንባዕልና ግጉይ መንነታዊ ርድኢትን ግንዛበን ስለዘለውና ኣብቲ ሕዚ ዘለናሉ ኩነታት ክንወድቕ ከምዝተገደድና ክንቅበል ኣለና። ኣብ ታሪኽና ዘርኣናዮም ውድቀታት ጠንቂ ካብ ደገ ሃሰስ ክንብልን ናብ ደገ ክነንጥርን(Projection) እምበር ንውሽጥና ከንፍትሽ ተራእዩ ኣይፈልጥን። ሕመቓትና ብምስሉይነት ክንሸፋፍን እምበር ፊት ንፊት ክንጋፈጥ ተራእዩ ኣይፈልጥን። ዕቡይነት፣ብድዐ፣ ዕንቱር ኣንነት፣ ጉራ፣ ሓሶት፣ ህልኽ፣ሕዚ ድማ ስርቅን ምስሉይነትን ከም ዕወል ወሪሮምና ኣለው። ከምሳዕቤኑ ድማ ካብ ጌጋና ተማሂርና ንቕድሚት ኣብ ክንዲ እንስጉም መሊስና መላሊስና ድኽመታትና ብዝኸፍአ መልክዑ ክንደጋግምን ናብ ጫፍ ዓርሰ ምሕቓቕ ክንበፅሕን ኮይኑ ይርከብ።

ሕዚ በፂሕናዮ ዘለና ብርኪ ናብ ደገ ጥራሕ ዘወጣውጣ ዝነበራ ኣፃብዕትና ናብ ነንባዕልና ናይ ምክሳስን ምፅልላምን ብርኪ ምምላሰን እዩ። ናይ ምፅልላም መወዳእታ ድማ ምጥልላፍን ምጥፍፋእን ጥራሕ እዩ። ኣብ ታሪኽና ዝተፈፀሙ ጌጋታትን ካብ ሓቂ ዝረሓቑ ግንዛበታትን ብግዚኡ ስለዘይኣረምናዮም እናገወዱ መፂኦም ናይ ምክፍፋል መስመራትና (Fault lines) ኣብዚሖምን ኣዕሚቖምን ይርከቡ። ንርእስናን ንሰንሳትናን ዘለና ምልከታን ግንዛበን ዝንቡዕነት ካብ ምጉዋዱ ዝተልዓለ ካብ ሓቂ ርሕቕና ነንባዕልና ፍፁም ክንደማመፅ ኣብ ዘይንኸለሉ ብርኪ ንበፅሕ ኣለና። ናይ ሓድነት ኣምር ተዛቢዑ ብፍርሕን ሓደ መንገዲ ጥራሕን ከም እንንስሳ ክንግናሕ ብዝብህግ ተበላፃይ ፖለቲካ ክንምዝመዝን ናይ ሓሶትን ግብዝነትን መሳርሒ ክኸውንን ኮይኑ። ስለዚ ሕዚ ዘለና መማረፂ ሓቂ ተቐብልካ ምስ ባዕልትና ምስ ደቂ ብሄርናን ካልኦትን ናይ ፍትሕን ዕርቅን ከይዲ ምፍፃምን መስረታዊ ለውጢ ብምጥላብ ብሄረ ትግራይ ምህናፅን ወይ ድማ በቲ ሕዚ እንኸዶ ዘለና ንዘመናት ናብ መሃሙቕ ዘእተወና ሃዲድ ቀፂልና ዓርሰ ቅትለት ምፍፃም እዩ። “

ሙሉዕ ትሕዝቶ ፅሑፍ ብPDF ንምንባብ

Subscribe to UMD Media channel. Join UMD Media Telegram Channel: https://t.me/UMDMedia

See something that needs correcting? Report a correction.

Discussion

Keep comments respectful and relevant. No threats, personal attacks, hate speech, spam, or private information. Comments are reviewed before publication.

Loading comments…

Checking discussion availability…