Understanding, Measuring, and Doing: Shattering the Information Blackout

ምስ ደሕንነት ላዕለዎት ሓለፍቲ ትግራይን፣ ምስ ምፍራስ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዝተሓሓዘ ገበን ዝተጠርጠሩ ሓደ በዓል ሓፍቲን ሓደ ሓለዋ ቪኣይፒ ተኣሲሮም

By UMD Media

Published

Last updated

1 min read

0 views

UMD Media, January 13, 2025

ምስ ደሕንነት ላዕለዎት ሓለፍቲ ትግራይን፣ ምስ ምፍራስ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዝተሓሓዘ ገበን ዝተጠርጠሩ ሓደ በዓል ሓፍቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ሓደ ሓለዋ ቪኣይፒ ድማ ኣብ መቐለ ተተሒዞም ከምዝተኣሰሩ ዩኤምዲ ሚዲያ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከቡ ፍልፍላታ ሰሚዓ።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ብዓርቢ ታሕሳስ 25 ተታሒዞም ብቐዳም ታሕሳስ 26 ናብ መቐለ ዝተልኣኹ በዓል ሓፍቲ ኣይተ ብርሃነ ግደይ (ብርሃነ ኣዘባ) እንትኹኑ ስሙ ምስዘይተጠቐሰ ሓላዊ ቪኣይፒን ረቡዕ ታሕሳስ 30 ኣብ መቐለ ቤት ፍርዲ ቐሪቦም እቲ ቤት ፍርዲ ነዚ ጉዳይ ናይ ምርኣይ ስልጣን ይሃልዎ ኣይሃልዎ ንምውሳን ንሎሚ ሶኒ ጥሪ 5 ሰዓት 9 ቖፆሮ ሂቡ ኣሎ።

ከም ፍልፍላት ዩኤምዲ ሚዲያ እቶም ተጠርጠርቲ ዝተትሓዙ ፖሊስ ትግራይ ካብ ቤት ፍርዲ ብዘውፀኦ ትእዛዝ መሰረት እዩ።

እቱ ስሙ ዘይተጠቐሰ ሓላዋ ቪኣይፒ ናይ ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃ ምዃኑ ገለ ፍልፍላት ዩኤምዲ ሚዲያ ሓቢሮም። ካሊእ ፍልፍል ድማ ንኣይተ ጌታቸው ረዳይ ንጄነራል ፃድቃንይ ንኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃ ኢላማ ዝገበረ ስፍህ ዝበለ “ውዲት” ኣካል ከምዝኾነን ካልኦት ዝትሓዙ ተጠርጠርቲ ከምዝህልዉ ነጊሮምና። ቤት ፍርዲ ነቲ ጉዳይ ናብ ምርኣይ ገና ኣይኣተወን። ናይ ሎምዓንቲ ወሳኔኡ ምርኣይ ተኾይኑ ናይ ምርመራ ቖፆሮ ክህብ ትፅቢት ይግበር።

See something that needs correcting? Report a correction.

Discussion

Keep comments respectful and relevant. No threats, personal attacks, hate speech, spam, or private information. Comments are reviewed before publication.

Loading comments…

Checking discussion availability…