Understanding, Measuring, and Doing: Shattering the Information Blackout

ብዋሕስ ተፈቲሖም ዝነበሩ ኣብ ልዕሊ ሰብስልጣን ግዚያዊ ምምሕዳር ብዝነጣጠረ ውዲት ቅትለት ተጠርጢሮም ዝተብሃሉ ክልተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፌደራል መንግስቲ ኣትዮም

By UMD Media

Published

Last updated

2 min read

0 views

UMD Media, January 17, 2025

ፈለማ ላዕለዎት ሓለፍቲ ንምቕንጻል ውዲት ፈጢሮም ተባሂሎም ኣብ መቐለ ተኣሲሮም ዝነበሩ በዓልሃፍቲ ብርሃነ ግደይ (ብተለምዶ ብብርሃነ ኣዘባ ዝፍለጥ)ን ስሙ ዘይተጠቕሰ ናይ ኣሰፋ ኣብርሃ ሓላዊ ሀዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፌደራል መንግስቲ ይርከቡ። እቲ ዝተባህለ ውዲት ንፕረዚደንት ግምት ጌታቸው ረዳ፣ ምክትል ፕረዚደንት ግምት ፃድቃን ገብረትንሳኤን ኣማኻሪ ግምት ኣሰፋ ኣብርሃን ዒላማ ብምግባር ንግምት ንምፍራስ ዝዓለመ እዩ ከምዝተብሃለ ፍልፍላታ ጠቒሳ ዩኤምዲ ሚዲያ ፀብፂባ ነይራ።

እቶም ጥርጡራት ድሕሪ ምእሳሮም ፈለማ ኣብ መቐለ ረቡዕ ታሕሳስ 30 ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም። እቲ ቤት ፍርዲ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ትሕቲ ስልጣኑ ዝወድቕ ድዩ ዘይወድቕ ንምፍላጥ ናብ ሶኒ ጥሪ 5 ኣናዊሕዎ ነይሩ። እቶም ጥርጡራት ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ዝቐረቡሉ እዋን፡ ብዋሕስ ክፍትሑ ሓቲቶም። እቲ ቤት ፍርዲ ብሰሉስ ጥሪ 56 ዳግማይ ተኣኪቡ ንኽልቲኦም ዋሕስ ፈቒዱሎም።

ብርሃነ ምስተፈትሐ ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኸደ እኳ እንተገለጹ፡ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ናብ ገዝኡ ናኸደከሎ ብፖሊስ ፌደራል ተታሒዙ ከምዝተኣሰረ ፍልፍላት ይሕብሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ ሓላዊ ቪኣይፒ ጥሪ 8 ኣብ መቐለ ዳግማይ ተታሒዙ ብድሕሪኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተወሰደ ተገሊፁ።

ከም ፍልፍላት ዩኤምዲ ሚዲያ ክልቲኦም ጥርጡራት ሀዚ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ፌደራል ኮይኖም፡ ሰብስልጣን መንግስቲ ንምቕንጻል ዝተፈጸመ ውዲት ብዝብል ምርመራ ይካየደሎም ኣሎ።

እቲ ናይ መጀመርታ ማእሰርቲ ኣብ መቐለ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ብዘውጽኦ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ዝተመርኮሰ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ዙርያ ዳግመ ማእሰርቶም ዝርዝራት ግን ዛጊደ ንጹር ነገር ኣይተረኸበን። እቲ ምርመራ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ ሀዚ እዋን ተወሳኺ ሓድሽ ሓበሬታ ተረኺባ ዩኤምዲ ሚዲያ ክትምለሶ እያ ።

See something that needs correcting? Report a correction.

Discussion

Keep comments respectful and relevant. No threats, personal attacks, hate speech, spam, or private information. Comments are reviewed before publication.

Loading comments…

Checking discussion availability…