ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሎማዓንቲ ታሕሳስ 25 2017 ዓም ዝሃቦ በዓል 11 ነጥቢታት መግለፂ
By UMD Media
Published
Last updated
2 min read
0 viewsዩኤምዲ ሚዲያ፣ ታሕሳስ 25 2017 ዓም

ካብቲ መግለፂ ዝተወሰደ
“ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ብቁፅሪ ት1/13/453/50/35 ዕለት 22/ 04/ 2017 ናብ ቤት ፅሕፈት
ትምህርቲ ከተማ ኣክሱም ብቅዳሕ ንጉዳያት እስልምና ትግራይ ዝስዕብ መልሲ ሂቡ እዩ። ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ዝተፈለየ ሓዱሽ መምርሒ ኣብ ዘይወረደሉ ሓዱሽ ክልከላ ይኹን ሓዱሽ ሕቶ /ዲማንደ ተቐባልነት ከምዘይብሉ እንዳገለፅኩ በቲ ዝነበረ ኣከዳድና ስርዓት ንክቅፅል የታሓሳስብ ይብል ደ/ር ኪሮስ ጉዑሽ ።
ድሕሪ እዚ እቲ ዝተወሰነ ውሳነ ነቲ ዝሓተትናዮ ዝምልስ እንዳሃለወ ናይተን ቤት ትምህርቲ
ርእሰ መምህራን ኣይንቅበልን ብማለት ነተን ተምሃሮ ተፈቲሑልና ኢለን ዝኸዳ ብፖሊስ ብምፍርራሕን ብምእሳርን ሒጃብ ንከይገብራ ፀቅጢ ገይሮም እዮም ።
ሓላፍነት ዝስምዖም ዜጋታት ንዝገበርዎ ናይ ድምፂ ምዃን ደገፍ ዓብይ ዋጋ ብምሃብ፣ ኣብ
ጉጉይ መንገዲ ዘለው ኣመራርሓ ክፍሊ ትምህርቲ፣ ቤት ትምህርትን ዝምልክቶም መንግስታዊ
ኣካላትን ካብ ስሕተቶም ክምሃሩ ዕድል ንምሃብን ንሰላም ካብ ዘለና ፅኑዕ ድሌትን መግለፂ ካብ
ምሃብ ተቆጢብና ነይርና ኢና ።
ስለዚ እዚ ኹሉ ዝኸውን ዘሎ ብእምነት ዝተላዓለ ስለ ዝኾነ ነዚ ዝስዕብ ባዓል 11 ነጥቢ
መግለፂ ንምውፃእ ተገዲድና ኣለና ።
1- እዚ ናይ ሒጃብ ክልከላ መሰል ዜጋታት ናይ ውልቀ መሰል ጥሕሰት እንትኸውን፥ ሕገ መንግስታዊ መሰልን ናይ ትምህርቲ ሚኒስተር ኮነ ናይ ክልልና ደንብታት ዝጣሓሰ ጉዳይ እዩ።
2- ናይ ቤት ትምህርት ስሪታት ንናይ ሕገ መንግስታዊ መሰላት ዝፃባእ ክኸውን የብሉን ። ንናይ ትምህርቲ ሚኒስተር ደንቢ ቁፅሪ 63 ሂጃብ አብ ቤት ትምህርቲ ከምዝፍቀድ ብግልፂ አቐሚጥዎ ዘሎ ሕቶና ብግልፂ መልሲ ይዋሃቦ ።
3-ትግራይ ኣትያቶ ዘላ ቅልውላው ይኣኸላ እዩ። ኣብ ክንዲ ካፍቲ ኣትያቶ ዘላ ናይ ፖለቲካን ከባቢያውነትን ቅልውላው ከመይ ክትወፅእ ከምዘለዋ ምስራሕን ምዝታይን፥ ካልእ ተወሳኺ ናይህውከት ግንባር ብሃይማኖት ምኸፋት ንማንም ሰለ ዘይጠቅም ብህፁፅ ጠጠው ይብል። “
ሙሉእ መግለፂ:



See something that needs correcting? Report a correction.
More from this section

Abiy Ahmed’s Reappointment Speech: Sea Access, Constitutional Change and Regional Air Superiority Take Center Stage as Questions on War and Peace Remain
October 5, 2026 Ethiopian Prime Minister Abiy Ahmed offered few specific details about his government’s plans for the next five
By UMD Media / Oct 5, 20267 views

Multiple Overnight Drone Attacks Reported in Adwa, Shire and Sheraro; Civilian Casualties Reported
October 4, 2026 Reports emerging from Tigray indicate that multiple drone attacks struck locations in Adwa, Shire and Sheraro around
By UMD Media / Oct 5, 20264 views

Senior TPLF Central Committee and Politburo Members Including Party Secretariat Deputy Head Reportedly Break with Leadership, Remain in Mekelle and Environs
October 4, 2026 Sources who spoke with UMD Media said that a number of TPLF Central Committee members, including at
By UMD Media / Oct 4, 20267 views
Discussion
Keep comments respectful and relevant. No threats, personal attacks, hate speech, spam, or private information. Comments are reviewed before publication.
Loading comments…
Checking discussion availability…
